Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብ ከባቢታት ዕዳጋ ኣካላዊ ርሕቐት ምሕላው ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሬኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኮቪድ ንምክልኻል ዝወፅአ ኣዋጅ መሰረት ብምግባር ኣብ ከባቢታት ዕዳጋ ኣካላዊ ምርሕሓቕ ክኽበር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚነሲትር ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝፀሓፉዎ፥ ዕዳጋታት ፍልፍል እቶት ብምዃኖም ንምርግጋፅ ድሕንነት ናብራ ሕብረተሰብ ወሳኒ ግደ ከምዝፃወቱ ገሊፆም።

ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምቁፅፃር ሕድሕድ ሰብ ነናይ ባዕሉ ኣስተዋፀኦ ክዋፃእ ከምዝግባእ እውን ፀዊዖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.