Fana: At a Speed of Life!

ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኮይኖም ዘገልገሉ ኣይተ ተመስገን ዘውዴ ዓሪፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሬኢ ኮይኖም ዘገልገሉ ኣይተ ተመስገን ዘውዴ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም።

ኣይተ ተመስገን፥ ብዘሓደሮም ሕማም ምኽንያት ክትትል ሕክምና እናገበሩ ፀኒሖም ሎሚ መዓልቲ ህይወቶም ከምዘሓለፈ ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንቅንጅት ንሓድነትን ዴሞክራሲን ብምውካል ካብ 1998 ክሳብ 2002 ዓ.ም ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኮይኖም ኣገልጊሎም ኢዮም።

ኣይተ ተመስገን ዘውዴ፥ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቆልዑን ነይሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.