ኣብ ክልል ሲዳማ ዝተፈፀመ 752 ዘይሕጋዊ ምቑፃር ተሰሪዙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሲዳማ ኣብ ወረዳታትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝተፈፀመ 752 ዘይሕጋዊ ምቑፃር ሰራሕተኛታት ከምዝተሰረዘ ቢሮ ሃፍቲ ልምዓት ፐብሊክ ሰርቪስን እቲ ክልል ኣፍሊጡ።
ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ሃይሉ ሃሰና ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 2015 ኣብ ወረዳታትን ምምሕዳር ከተማታተን ዝተፈፀመ 752 ዘይሕጋዊ ሙቕጻር ሰራሕተኛታት ከምዝተሰረዘ ገሊፆም።
ምስዚ ተተሓሒዙ ዘይሕጋዊ ምቑፃር ንኽፍፀም ዝፈቐዱ ሓለፍቲ ስራሕን ኣባላት ኮሚቴን ብሕጊ ገበንን ፍታብሄርን ተሓተትቲ ከምዝተገበሩ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com