Fana: At a Speed of Life!

ካብ ላዕለዋይ እዚ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝተውሃበ እዋናዊ ሓበሬታ

ካብ ላዕለዋይ እዚ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝተውሃበ እዋናዊ ሓበሬታ

ቁፅሪ – ሰለስተ

ላዕለዋይ እዚ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ሎመ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ዝሓለፉ 20 መዓልቲታት ምንቅስቓስ ስራሕቲ ገምጊሙ፡፡ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ዙር ወታደራዊ ኦፕሬሽን ብዝተወሰዱ ስጉምቲታት መብዛሕተኦም ዞባታት ክልል ኣምሓራ ናብ ስሩዕ ኩነታት ከምዝተመለሱ ኣረጋጊፁ፡፡

ኣብ ክልል ኣምሓራ ባሕርዳር ሓዊሱ ከተማታት ዞባን ወረዳን ብምቁፅፃር፣ እሱራት ብምልቃቕ፣ ንዘረፋ ክምቹ ቁልፊ መሰረተ ልምዓታት ብምዕናውን ኣብ ክልል ኣምሓራ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ብዕጥቂን ብዕስለን ብምፍራስ እኩይ ፖለቲካዊ ድሌቱ ንምዕዋት ዝሓሰበ ፅንፈኛን ዘራፊን ሓይሊ ድሌጡን ተግባሩን ከምዘፈሸሎ እቲ እዚ ኣብ ግምገምኡ ኣረጋጊፁ፡፡ ክልል ኣምሓራ እውን ካብ ዘረፋ፣ ዕንወትን ሓደጋ ምፍራስን ምድሓን ከምዝተኸኣለ ገምጊሙ፡፡

ብምዃኑ ዞባታት እቲ ክልል ምስ ከተማ ባህርዳር ዘራኽቡ ሓዊሱ እቲ ክልል ምስ ኣዲስ ኣበባ ዘራኽቡን ተዓፂዮም ዝነበሩን ዋና ዋና መገዲታትን መስረመራትን ተኸፊቶም፡፡ መብዛሕተኦም መስመራት ንትራንስፖርትን ስሩዕ ምንቅስቓስን ክፍቲ ንኽኾኑ ተገይሮም፡፡ ኩሎም ንግስታዊን ውልቃዊን ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ዝተማለአ ግልጋሎት ምሃብ ጀሚረን፡፡

ህዝቢ ንሰራዊት ምክልኻል እናርአዮ ዝርከብ ኣቀባብላ፣ ሓገዝ ስንቂን ሞራልን ብልዑል ብርኪ እናወሰኸ ምዃኑ እቲ እዚ ኣብ ገምጋሙ ኣረጋጊፁ፡፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ሸጓጥ ቦታታት እናተኣኻኸቡን ብጉጅለ እናተወደቡን ሓበሬታ ብምክፍፋል ሕብረተሰብ ንምድንጋር ይፈትኑ እምበር ከምዘይተሳዐሎም እቲ እዚ ተመልኪቱ፡፡

ዝተጀመረ ሰላምን ምርግጋእን ብዝበለፀ ንምፅናዕን ዘተኣማምን ንምግባርን ወታደራዊ ኦፕሬሽኑ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል እቲ እዚ መምርሒ ሂቡ፡፡ ካብ ዘረፍቲን ፅንፈኛ ሓይሊታት ኣብ ዝነፅሁ ከባቢታት ቀንዲ ቀንዲ ተዋሳእቲ እቲ ተግባር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ንኽውዕሉ እናተገበረ ምዃኑ እውን ኣረጋጊፁ፡፡ ካብ ዝተወሰኑ ወሻት ቦታታት ወፃእሰላማዊ ኩነታትን ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝፈጠረሉ ኣጋጣሚን ብምጥቃም ሓረስታይ ናብ ክረምታዊ ስራሕቱ ከምዝተመለሰን እታወታት ሕርሻ ነናብከባቢኡ እናተጓዓዘ ምዃኑን እቲ እዚ ኣረጋጊፁ፡፡

እቲ እዚ ናብ ስሩዕ ምንቅስቓስ ክምለስ ንዝገበሩ ኣካላት ፀፅታ፣ ህዝቢን በቢብርኩ ዝርከቡ ቀጠናታት ኣዋጅ ህፁፅ እዋንን ኣብ ትሕቲኦም ዝርከቡ ኣባላት መምርሒ ኮማንድ ፖስትን በዚ ኣጋጣሚ ምስጋንኡ የቕርብ፡፡ መላእ ህዝቢ እቲ ክልል ኣብ ጎኒ ሓይሊታት ፀፅታ ብምስላፍ ሰላምን ምርግጋን ንምፍጣር ዝገበሮ ዘኹርዕ ስራሕ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል እቲ እዚ ፃውዒቱ የቕርብ፡፡

17 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ኣዲስ ኣበባ

ላዕለዋይ እዚ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.