ሕብረት ኣፍሪካ ንኒጀር ካብ ኣባልነት ተሳትፎ ኣጊዱዋ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 26 ሓምለ 2023 ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ ንኒጀር ኣብ ኩሎም ምንቅስቃሳት እቲ ሕብረት ከይትሳተፍ ምእጋዱ ኣፍሊጡ።
እቲ ሕብረት ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ÷ መራሕቲ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ብመረፃ ስልጣን ዝሓዙ ፕሬዚዳንት መሓመድ ባዙምን ካብ ማእሰርቲ ክፈትሑዎምን ናብ ገዝኦም ክምለሱን ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ቤት ምኽሪ ሰላምን ፀፅታን ሕብረት ኣፍሪካ÷ ማሕበረሰብ ኢኮኖሚ ሃገራ ምዕራብ ኣፍሪካ (ኢኮዋስ) ወታደራዊ ኢድ ኣእታውነት ንምግባ ተጠባባቒ ሓይሊ ንምንቅስቓስ ዘሕለፎ ውሳነ ከምዝተመልከተ እውን ሬውተርስ ፀብፂቡ፡፡
ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ÷ ከምዚ ዓይነት ሓይሊ ምውፋር ዘለዎ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ድሕንነትን ትርጉም ንኽግምገም ሓቲቱ።
ማሕበረሰብ ኢኮኖሚ ሃገራ ምዕራብ ኣፍሪካ (ኢኮዋስ)÷ ዲሞክራሲ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ እንተዘይተዓዊቱ ወታደራቱ ናብ ኒጀር ንምልኣኽ ከምዝተሰናደአ ኣፍሊጡ ኢዩ።
ኩለን ኣባላት ሕብረት ኣፍሪካን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ንወታደራዊ ሓይሊ ኒጀርን ሕጋዊ ክገብር ካብ ዝኽእል ስጉምቲ ንኽቑጠቡ እውን ሓቲቱ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com