Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምክልኻል ቫይረስ ኮረና ዘገልግሉ ናውቲ ሕክምና ንቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምክልኻል ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮረና ዘገልግሉ 35 ሽሕ ሌትሮ ሳኒታይዘር፣ 30 ሽሕ ማስክ፣ 85 ሽሕ ጓንቲ ኢድ ሓካይምን 5 ሽሕ ብዛዕባ ቫይረስ ኮሮና መልእኽቲ ዝሓዙ ብሮሸራትን ንቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ሎሚ መዓልቲ ሐገዝ ገይሩ።

ንምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወኪሎም እቶም ናውቲ ሕክምና ዘረከቡ ኮሚሽነር ኮሚሽን ስፖርት ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ዮናስ ኣረጋይ፥ እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ሓደ ኣካል ናይ ህዝብታት ዝተሓባበረ መኸተን ምክልኻልን ሕማም ቫይረስ ኮሮና ምኻኑ ገሊፆም።

እቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎዲፋይ ብግደኦም፥ ንዝተገበረ ሓገዝ ምስጋ ኣቕሪቦም።

መንግስቲ ክልል ትግራይ እውን ኣብ ከምዚ ዝበለ ሰናይ ተግባር ዝኸኣሎ ኣስተዋፅኦ ከምዝገብርን ብዝተሓባበረን ዝተዋደደን ኣንፈት ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ብዕቱብ እናተሰርሐ ምህላዉን ኣብሪሆም።

ፍልፍል፦ ጋዜጣ ወይን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.