በዓል ኣሸንዳ ምልክት ናፃነትን ተምሳሌት ማዕርነትን ደቂ ኣኒስቲዮ ኢዩ – ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሸንዳ፣ ማርያን ዓይኒ ዋሪን ምልክት ናፃነትን ተምሳሌት ማዕርነትን ደቂ ኣኒስቲዮ ከምዝኾኑ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣፍሊጡ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ በዓል ኣሸንዳ ምኽንያት ብምግባር መግለፂ ሂቡ።
እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ኣበ ዝሃቦ መግለፂ፥ “መግለፂ ክብርኽንን መንነትክን ንዝኾነ ክቡር በዓል ኣሸንዳ እንኳዕ ኣብፅሓክን” ኢሉ።
ኣሸንዳ፣ ማርያን ዓይኒ ዋሪን ምልክት ናፃነት፣ ተምሳሌት ማዕርነት፣ ሕብረትን ሓድነትን ደቂ ኣንስትዮ ኢዩ” ዝበለ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር፥ ኣሸንዳ ክብርታትን ሕላገትን ትግራይ ካብ ውሉድ ናብ ወለዶ እናተሰጋገረ ኣብ ምኻድ ናይ ባዕሉ እጃም እናተዋፅአ ምምፅኡ ኣብሪሁ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት፥ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ እቲ በዓል ብሓጎስን ደስታን ከኽብራን ከብዕላን ዘይምኽኣለን ኣዘኻኺሩ።
“ሎሚ ዘበን እዚ በዓል እንትነኽብርን እንትንዝክርን ንመስርሕ ሰላም ብምጥንኻር ሕቶታትን ድልየታትን ህዝቢ ትግራይ ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንምምላስ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ብፅንዓት ከም እትቃለሳ እምነትና ልዑል እዩ” ኢሉ።
ሐዚ እውን እንተኾነ ተመዛበልቲ ወገናት ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ናብራ ኣብ ዝርከብሉ፣ ብኣማእቲ ኣሽሓት ዝቑፀር ህዝቢ ብሓለንጊ ጥምየት እናተገረፈ ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን ዝኽበር በዓል ምዃኑ እቲ መግለፂ ኣብሪሁ።
ደቂ ኣንስትዮ እቲ ክልል ነቲ ከቢድ ኩነታት ተፃዊረን በዓል ኣሸንዳ፣ ማርያን ዓይኒ ዋሪን እንተኽብራ፥ መንፈሳዊ ጥንካረአን ክንደየናይ ሓያልን ልዑልን ከምዝኾነ ዘረጋግፅ ምዃኑ እውን ኣብሪሁ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሕቶታት ሀዝቢ ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንምምላስ ቃልሲ የካይድ ዘሎ ምዃኑ ብምብራህ፥ ሕዚ እውን ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ንክምለሱ፣ ዝተቛረፀ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክጅመር፣ ገበን ዝፈፀሙ ብሕጊ ክሕተቱ ንምግባር ዘይተሓለለ ቃልሲ ከምዝገብር ኣረዲኡ።