ናብ ወፃኢ ካብ ዝተለኣኹ ፍርያታት 3 ነጥቢ 64 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ናብ ወፃኢ ካብ ዝተለኣኹ ፍርያታት 3 ነጥቢ 64 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ።
እቲ ሚኒስቴር÷ ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ በጀት ዓመት 2015 ኣመልኪቱ ምስ ለኣኽቲን መዳርግቲ ኣካላትን መድረኽ ግምገማ የሳልጥ ኣሎ፡፡
ብመዓርግ ሚኒስትር ኣማኻሪ ማክሮ ኢኮኖሚ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ግርማ ብሩ፣ ሚኒስትር ዴኤታ ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ፣ ሓላፊ ላዕለዋይ መምርሒ ምክልኻል ገበን ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ምክትል ኮሚሽነር ጀነራል መላኩ ፋንታ፣ ናብ ወፃኢ ዝልእኹ ሰብ ሃፍቲን መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም።
ኣብ በጀት ዓመት 2015 ናብ ወፃኢ ካብ ዝተለኣኹ ፍያታት 5 ነጥቢ 21 ቢለየን ዶላር ኣሜሪካ ንምርካብ ተሓሲቡ 3 ነጥቢ 64 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ኣይተ ካሳሁን ጎፌ ገሊፆም።
ደጋዊን ውሽጣዊ ትካላዊን ፀገማት ዝተትሓዘ ትልሚ ንምዕዋት ዕንቅፋት ከምዝኾኑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ዘይሕጋዊ ንግዲ፣ ኮንትሮባንድ፣ ብሽፋን ፈቓድ ንግዲ ዘይሕጋዊነት ምስፍሕፋሕ፣ ተደራራቢ ክፍሊት ታክስ ምህላዉ፣ ካብ ኣፍልጦ ኮሚሽን ጉምሩክ ወፃእ ኣድለይቲ ዘይኮኑ ኬላታት ምብዛሕን ካልኦት ፀገማትን ኣብ ጉድለት ኣፈፃፅማ ወፃኢ ንግዲ ኣሉታዊ ፅዕንቶ እናሕደሩ ከምዝኾነ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ተሓቢሩ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com