Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ተርሚናል ወደብ ሞጆ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝሕግዝ ነፀጋ ኬሚካል ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትካል ግልጋሎት ትራንስፖርት ባሕሪን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ተርሚናል ወደብ ሞጆ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝሕግዝ ነፀጋ ኬሚካል ተኻይዱ።

ተርሚናልን ወደብን ሞጆ መብዛሕትኦም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉን ዝመፅኡን ኣቑሑት ዘተኣናግድ፣ ሹፌራት ስግረ ዶብ ከበድቲ ተሸከርከርቲ፣ ኣምፃቲን ለኣኽቲን፣ ትራንዚተሮች ኣተሓላለፍቲ ኣቑሑት፣ ናይቲ ትካልን ካልኦት ትካላትን ሰራሕተኛታት ዝርከቡሉ ብምዃኑ፥ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ብፍሉይ ትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ዳይሬክተር እቲ ተርሚናል ኣይተ ደረጀ ሚደቅሳ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዝ ኣዋን ድማ ኣብቲ ወደብን ትርሚናልን ሰራሕተኛታት ተኸታታሊ ዝኾነ መዕበዪ ግንዛበ ትምህርቲ እናተውሃበ ከምዝርከብ እውን ኣብሪሆም።

እዙይ ከምዙይ ኢሉ እንተሎ፥ ሰብ ኣብ ዝበዝሐሎምን ዋና ዋና ከባቢታት እቲ ወደብ፤ ብምፍላይ ኣብ መእተዊ በሪን መቆፃፀሪ ቦታን፣ ቢሮታት፣ መኻዚን፣ ካፌታትን ጋራዥን ከቢቢ ነፀጋ ኬሚካል ፀረ ታህዋሲያን ተኻይዱ ኣሎ።

ብተወሳኺ እቲ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ሓገዝ ብምግባር ኣብ ከተማ ሞጆ ዝርከቡ ዋና ዋና ጎደናታት ነፀጋ ከምዝተኻደ ኣይተ ደረጀ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ትራንስፖርት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.