መርማሪ ቦርድ ኣፈፃፅማ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብዕሊ ስርሑ ጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መርማሪ ቦርድ ኣፈፃፅማ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብዕሊ ስርሑ ጀሚሩ።
እቲ ቦርድ ሎሚ ምስ ላዕለዋይ እዚ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝተዛተየ እንትኸውን÷ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ድማ ብኣካል ምልከታ ከምዝገብር ገሊፁ፡፡
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ላዕለዋይ እዚ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ክሳብ ሕዚ ዝወገኖም ስራሕቲን ቀፀልቲ ትልሚታቱን ኣመልኪቶም ምኽክር ገይሮም፡፡
ኣባል ላዕለዋይ እዚ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝኾኑ ኣይተ መለሰ ኣለሙ፥ ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብ ቀፀልቲ ኣፈፃፅማ ኣዋጅ ህፁፅ እዋም ምስ መርማሪ ቦርድ ብሓባር ኣብ ዝሳለጡ ስራሕቲ ምኽክር ከምዝተገበረ ተዛሪቦም፡፡
ላዕለዋይ እዚ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ሰላም ንንምዕሳል እናወገኖም ዝርከቡ ተግባራት ዝርዝር መብርሂ ከምዝተውሃበ ኣልዒሎም፡፡
በቲ ኣዋጅ ማእኸላይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ሰባት ሰብኣዊ መሰል ኣተሓሕዘኦም ብዝምልከት ንኣባላት መርማሪ ቦርድ ገለፃ ከምዝተገበረ ገሊፆም፡፡
እቲ ኣዋጅ ተግባራዊ ምዃኑ ስዒቡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ፀገም ኣጋጢሙዎም ዝነበሩ ዋና ዋና ከተማታትን ከባቢታትን ኣብ ሓፂር እዋን ናብ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ምምላስ ከምዝተኸኣለ ተዛሪቦም።
በዚ ድማ ንሕብረተሰብ ኣገልግሎት ዝህቡ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ስራሕ ከምዝጀመሩ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።
ተግባራዊነት እቲ ኣዋጅ ስዒቡ ዝተፈጠረ ሰላም ንሓረስቶት መዳበሪያ ተበፃሒ ንምግባር ምቹው ኩነታት ከምዝፈጠረ ኣልዒሎም፡፡
ኣካቢት መርማሪ ቦርድ ኣፈፃፅማ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣዝመራ እንደሞ ብግደአን÷ እቲ መርማሪ ቦርድ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ብምሕባር፤ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ መድረኽ ዘተ ላዕለዋይ እዚ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ክሳብ ሕዚ ዝወገኖም ተግባራትን ቀፀልቲ ትልሚታትን ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ከምዝተረኸባ ሓቢረን፡፡
እቲ ቦርድ ኣፈፃፅማ ኣዋጅ እናገምገመ ውፅኢቱ ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝገብር እውን ኣብሪሀን፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com