Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ወጋገን ንምክልኻል ቫይረስኮሮና ዝውዕል ብር 3 ሚልየን ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባንኪ ወጋገን ንምክልኻል ቫይረስኮሮና ዝውዕል ብር 3 ሚልየን ሓገዝ ገይሩ።

እዚ ሕማም ኩለመደያዊ ተሳትፎ ስለዝሓትት ነዚ ሓገዝ ኣበርኪትና ዝበሉ ኣካያዲ ስራሕ ጨንፈር መቐለ እቲ ባንኪ ኣይተ ሃፍቶም ገብረ እግዚኣብሄር፥ ንቐፃሊ እውን ኣብ ጎድኒ ህዝብና ኢና ክብሉ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ሰራሕተኛታት ባንኪ ወጋገን ካብ መሃያኦም 10 ሚኢታዊ ንምውፋይ ከምዝተስማዕምዑ እቶም ኣካያዲ ስራሕ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ዝተረኸቡ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ ኣይተ ሓጉስ ወለኪዳን፥ ባንኪ ወጋገን ኩሉ ግዜ ወገን ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ስለዝኾነ ነመስግን ኢሎም።

ብእያሱ በርሀ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.