Fana: At a Speed of Life!

ጥምረት ምክልኻል ኣሜሪካ፣ ደቡብ ኮሪያን ጃፓንን ምክራር እቲ ዞባ ዘጋድድ ኢዩ ክትብል ቻይና ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጥምረት ምክልኻል ኣሜሪካ፣ ደቡብ ኮሪያን ጃፓንን ምክራር እቲ ዞባ ዘጋድድ ኢዩ ክትብል ቻይና ገሊፃ።

መራሕቲ ሰለስቲአን ሃገራት ቀፃሊ ዕለተ ዓርቢ ኣብ በካምፕ ዴቪድ ከምዝራኸቡ ተገሊፁ።

እተን ሃገራት ብፍላይ ብቴክኖሎጂን ዓውዲ ምክልኻልን ሓዱሽ “ኢኒሼቲቭ” ዕላዊ ክገብራ ኢየን ዝበል ትፅቢት ኣሎ።

ሲ ጂ ቲ ኤን ከምዝፀብፀቦ፥ ቅድሚ ኣብ ካምፕ ዴቪድ ዝሳለጥ ኣኼባ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን መስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጃፓን ዮሺማሳ ሃያሺን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጃፓን ፓርክ ጂንን ብሓባር ትማሊ ብቨርቹዋል ዘተ ገይሮም ኢዮም።

ኣብቲ ዘተ፥ ቀፃሊ ዓርቢ ብዛዕባ ዝሳለጥ ኣኼባ ዝጠመተ ሓሳብ ከምዝተለዋወጡ እቲ ፀብፃብ የመላኽት።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ኣብ ፓሲፊክ እስያ  ዘሎ መትሕብባር እተን ሃገራት ወተሃደራዊ ምትሕብባር መንግስቲ ምስ መንግስቲ ነቲ ከባቢ ሰላምን ምርግጋዕን ዝረብሕ ክኸውን ከምዝግባእ ገሊፁ።

ካብዚ ወፃእ ግን ንሳልሳይ ወገን ዒላማ ምግባር ወይ ራብሓ ንምጉዳእ ክኸወን የብሉን ክብል ኣተሓሳሲቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.