ባንኪ ዓለም ንመሳለጢ ማሕበራዊ ግልጋሎት ከተማ ዓዲግራት ዝውዕል 180 ሚልየን ብር ሓገዝ ገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ንመሳለጢ ማሕበራዊ ግልጋሎት ከተማ ዓዲግራት ዝውዕል 180 ሚልየን ብር ደገፍ ከም ዝገበረ ምምሕዳር እታ ከተማ ገሊፁ።
ከንቲባ ከተማ ዓዲግራት ኣይተ ሰለሙን ሓጎስ ከም ዝገለፅዎ÷ “ዋላ እኳ እቲ ዝተገበረ ገንዘባዊ ደገፍ ብዘላቒ ፀገማት ማሕበረሰብ ዝፈትሕ እንተዘይኮነ ግዜ ንዘይህቡ ማሕበራዊ ግልጋሎታት ንምፅጋን ሓጋዚ እዩ” ኢሎም።
እቲ ብባንኪ ዓለም ዝተገበረ ገንዘባዊ ደገፍ ብሰንኪ ኲናት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ንምፅጋንን መሊስካ ንምህናፅን ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳይ ዝጠመተ ምስ ተወከልቲ ማሕበረሰብ እታ ከተማ ዘተ ተኻይዱ።
እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ዝዓነዉ ኣገደስቲ ማሕበራዊ ግልጋሎታት ንምህናፅ እኹል ስለዘይኮነ÷ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ዕንወት ንምሕዋይ ግደ ሰብ ሃፍቲ ትግራይን ፈተውቲ ትግራይን ዝጠልብ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ተወከልቲ ማሕበረሰብ እታ ከተማ÷ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ንምፅጋንን መሊስካ ንምህናፅን ኩለመዳያዊ ደገፍ ንምግባር ድልዋት ከምዝኾኑ ምርግጋፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com