መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ንዘላቒ ሓለዋ ማይ ብዘለዎ ረብሓ ሃገራት ከም መርኣያ ክወስደኦ ከምዝግባእ ተሓቢሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ንዘላቒ ሓለዋ ማይ ብዘለዎ ረብሓ ሃገራት ከም መርኣያ ወሲደን ክትግብርኦ ከምዝግባእ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ገሊፆም።
እቶም ሚኒስትር ከምዝገለፁዎ÷ ካብ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ እናተተግበረ ዝርከብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር
ንዘላቒ ሓለዋ ማይ ልዑል ረብሓ ኣለዎ።
እቲ መርሃ ግብሪ ክሌማዊ ለውጢ ንምቁፅፃርን ንሓለዋ ሃፍቲ ማይን ብዘለዎ ረብሓ ካልኦት ሃገራት ከም መርኣያ ክወስደኦን ክትግብርኦን ከምዝግባእ ኣመልኪቶም።
ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ምስ ካልኦት ተፀዋዕቲ ትካላት ብምትሕብባር ስራሕቲ ሓለዋ ሃፍቲ ማይ ውፅኢታዊ ንክኾኑ ዝሕግዙ ስራሕቲ መፅናዕትን ምርምርን እናካየደ ምዃኑ እውን ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 25 ቢልዮን ፈልስታት ከምዝተኸለት ዝዝከር እንትኸውን÷ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እውን 25 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል ተሊማ እናተሰርሐት ከምትርከብ ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com