Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ስምምዕነት ሓገዝን ልቓሕን 82 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ዝተፈረመ ንመፈፀሚ ፕሮጀክት ህፁፅ እዋን ምላሽ ምሃብ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ዝውዕል ስምምዕነት ሓገዝን ልቓሕን 82 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣፅዲቑ።

ብውድብ ጥዕና ዓለም ለበዳ ሕማም ዓለም ዝተብሃለ ኮቪድ-19፥ ካብ 24 መጋቢት 2012 ዓ.ምጀሚሩ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወ ሚኒስቴር ጥዕና ዕላዊ ምግባሩ ይዝከር።

እቲ ለበዳ ሕማም ከስዕቦ ዝኽእል መጠን ጉድኣት ንምንካይ መንግስቲ ትዮጵያ ምስ ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ንመፈፀሚ ፕሮጀክት ህፁፅ እዋን ምላሽ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ዝውዕል 41 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ብሓገዝ፣ 41 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ድማ ብልቓሕ ምሕንፃፁ መንግስቲ ኣፍሊጡ ኢዩ።

ብሚኒስቴር ጥዕናን ብኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረሰተሰብ ኢትዮጵያን ኣቢሉ ኣብ ዝቕፅሉ 15 ኣዋርሕ ተግባራዊ ዝግበር ፕሮጀክት ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

እቲ ፕሮጀክት፥ ንመፈፀሚ ቀረብ መሳርሒታት ሕክምና፣ ንመሰልጠኒ ድልዉነት ህንፀት ዓቕሚ ዓውዲ ጥዕና፣ ንዘተ ማሕበረሰብን ፈነወ ሓበሬታን ከምኡ እውን በቲ ቫይረስ ተለኸፉ ሰባት ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ዝፀንሑሉ ተግባር ንምፍፃም ዝዓለመ ምዃኑ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ነቲ ውሳነ ሓሳብ ኣዋጅ ቁፅሪ 1190/2012 መሰረት ብምግባር ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲዉዎ።

እቲ ባይቶ ብተወሳኺ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓትን፤ ንመፈፀሚ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ዝውዕሉ ክልተ ኣዋጃት ስምምዕነት ልቓሕ ኣፅዲቑ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.