Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቦርድ ኣባላት መርማሪ ኣፈፃፅማ ህፁፅ ግዘ ኣዋጅ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ ብዘሳለጦ ፍሉይ ኣኼባ ቦርድ ኣባላት መርማሪ ኣፈፃፅማ ህፁፅ ግዘ ኣዋጅ ኮቪድ-19 ንምሻም ዝቐረበሉ ውሳነ ሓሳብ መርሚሩ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ።

እቲ ባይቶ ኣብ ፍሉይ ኣኼቡኡ ዝርገሐን መጠን ጉድኣትን ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ተኸታቲሉ በቢእዋኑ ነቲ ባይቶ ፀብፃብ ዘቕርብ ቦርድ ኣባላት መርማሪ ኣፈፃፅማ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝሾመ እንትኸውን፥ እቶም ተሸወምቲ እውን ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ኢዮም።

ብመሰረት እዚ፡-

1ይ – ኣይተ ጴጥሮስ ወልደሰንበት — ኣካቢ እቲ ቦርድ

2ይ – ኣይተ ተስፋዬ ዳባ ———— ምክትል ኣካቢ ቦርድ

3ይ- ወይዘሮ ፋንታዬ ወንድም —– ኣባል ቦርድ

4ይ- አቶ ሽኩሪ መሀዲን———— ኣባል ቦርድ

5ይ- ዶክተር ብሩክ ላጲሶ ———- ኣባል ቦርድ

6ይ- ወይዘሮ ሞሚና መሓመድ—— ኣባል ቦርድ

7ይ – ኣይተ በሻላ ገመቹ ———— ኣባል መርማሪ ቦርድ ኮይኖም ተሸይሞም።

ሽመት እቶም ኣባላት ድማ ብ12 ተቓውሞ ብሓሙሽተ ድምፀ ተኣቅቦ ብኣብዝሓ ድምፂ ክፀድቕ ክኢሉ።

እቶም ቦርድ ኣባላት ብግደኦም ኣብ ቅድሚ እቲ ባይቶ ቀሪቦም ቃለ ማሕላ ከምዝፈፀሙ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.