Fana: At a Speed of Life!

ኩለመዳይ ግልጋሎት ጥዕና ንምምሕያሽ እናተሳለጡ ዝርከቡ ተግባራት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኢዮም – ዶ/ር ሊያ ታደሰ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩለመዳይ ግልጋሎት ጥዕና እታ ሃገር ንምምሕያሽ እናተሳለጡ ዝርከቡ ተግባራት ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝህነፅ ማእኸል ባዮ ባንክን መፍረዪ መረጋገፂ ፅሬት ናሙና ላቦራቶሪን ሎሚ ብዕሊ ኣጀሚረን።

ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፀኦ÷ እቲ ማእኸል መንግስታዊን ናይ ውልቀን ትካላት ጥዕና ፅሬት ብርኪ ፍተሸ ላቦራቶሪ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንኽረኽቡ ዘሕግዝ ኢዩ።

ዳህሳስ ሕማማት ብምግባ ብለበዳ መልክዕ ዘጋጥ ሓደጋታት ጥዕና ግቡእ ምላሽ ንመሃብ እቲ ላቦራቶሪ ዝህቦም ሓሬታታት ወሰንቲ ከምዝኾኑ እውን ገሊፀን።

ክሳብ ሕዚ ናይ ፅሬት ናሙናታት ካብ ዓለም ለኸ ኩባያታት ብዕድጊት ከምዝርከብ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ስርዓት ግልጋሎት ላቦራቶሪ ተማለአ ክኸውን ገይሩዎ ከምዝፀንሐ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

ህንፀት እቲ ማእኸል ብ885 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝውገን እንትኸውን÷ ወፃኢኡ ድማ ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ክሽፈን ኢዩ ተባሂሉ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.