Fana: At a Speed of Life!

ዘመን ባስ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናፃ ግልጋሎት ትራንስፖርት ይህብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣክሲዮን ማሕበር ዘመን ባስ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናፃ ግልጋሎት ትራንስፖርት ምሃብ ምጅማሩ ኣፍሊጢ።

እቲ ኣክሲዮን ማሕበር፥ ዝቐረበ ሃገራዊ ፃውዒት ስዒቡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝህሉ ምጨናናቕ ሰባት ንምፍታሕ ግልጋሎት ንመሃብ ከምዝወሰነ ገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣክሲዮን ማሕበራት ጎልደን ባስ፣ ሓበሻ ባስን የኛ ባስን ዝቐረበ ሃገራዊ ፃውዒት ተቐቢሎም ብስሩዕ ክፍሊጥ ኣገልግሎት እናሃቡ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።

ኣክሲዮን ማሕበር ዘመን ባስ ድማ መበገሲኡን መዕረፊኡን ኣብ ዋና ዋና ጎደናታት ኣዲስ ኣበባ ብምግባር ከከም ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሕፅረት ትራንስፖርት ዝመዓራረ ናፃ ግልጋሎት ትራንስፖርት ከምዝህብ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ካብ 1 ሚያዚያ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ንዘይተወሰኑ መዓልቲታት ኣብ መውፅኢን መእተዊን ስራሕ ሰዓት ዝወሃብ ግልጋሎት ከምዝኾነ እውን እቲ ኣክሲዮን ማሕበር ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.