Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳልጦ መበል ካልኣይ ፍሉይ ኣኼብኡ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ለበዳ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል፣ ንምቁፅፃርን ዘስዕቦ ጉድኣት ንምቕናስን ዓሊሞም ዘውፅእዎ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ብሓደ ድምፀ ተኣቅቦ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ፌዴሪኢ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዘሳለጦ ኣኼባ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዝዓለመ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ተግባራዊ ምግባር ከምዘድሊ ብምስምዕማዕ ውሳነ ምሕላፉ ይዝከር።

እቲ ኣዋጅ ተግባራዊ ንምግባር ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ምፅዳቕ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ፥ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሳለጦ ካልኣይ ፍሉይ ኣኼባ ናብቲ ቤት ምኽሪ ዝቐረበ ህፁፅ ግዘ ኣዋጅ መርሚሩ ብኣብዝሓ ድምፂ ከምዘፅደቖ ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.