ጋንታ ዌስትሃም የናይትድ ሃሪ ማጓየርን ዋርድ ፕራውስን ንምፍራም ኣብ ስምምዕነት በፂሓ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ዌስትሃም የናይትድ ተኸላኻላይ ጋንታ ማንቸስተር ዪናይትድ ዝኾነ ሃሪ ማጓየርን ተፀዋታይ ክፍሊ ምክፍፋል ጋንታ ሳውዝሃምፕተን ጄምስ ዋርድ ፕራውስን ንምፍራም ኣብ ስምምዕነት በፂሓ።
ዌስትሃም ዩናይትደ ቅድም ክብል ንማጓየር 20 ሚሊየን ፓውንድ ኣቕባ ብጋንታ ማንቼስተር ዩናይትድ ውድቂ ከምዝተገበረ ይዝከር፡፡
እቲ እንግሊዛዊ ተኸላኻሊ÷ ኣብ 2019 ኣብ ታሪኽ ዝውውር ተኸላኸልቲ ክብረ ወሰን ብዝኾነ 80 ሚሊየን ፓውንድ ገንዘብ፥ ካብ ሌስተር ሲቲ ናብ ማንቸስተር ዩናይትድ ይፀምበር እምበር ኣብታ ጋንታ ዝነበሮ ፃንሒት ትፅቢት ዝተገበረሉ ግልጋሎት ክህብ ኣይከኣለን፡፡
ብተመሳሳሊ ዜና ጋንታ ዌስትሃም ዩናይትድ ንተፃዋቲ ክፍሊ ምክፍፋል ጋንታ ሳውዝሃምፕተኑ ጄምስ ዋርድ ፕራውስን ንምፍራም ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሐ ስካይ ስፖርት ፀብፂቡ፡፡
እታ ጋንታ ቅድም ክብሊ ነቲ ተፃዋቲ 30 ሚሊየን ፓውንድ ኣቕሪባ ውድቂ ተገይሩዋ ዝነበረ እንትኸውን÷ ሕዚ ብዝተበፅሐ ስምምዕነት ዝሐሸ ክፍሊት ከምተቕርብ ትፅቢት ይግበር፡፡
ክልተ ተፃወትቲ ንምፍራም እብ ስምምዕነት ዝበፅሐት ጋንታ ዌስትሃም÷ ማንቸስተር ሲቲ ንተፃዋታይ ክፍሊ ምክፍፋል እታ ጋንታ ዝኾነ ሉካስ ፓኩዌታ ንምዕዳግ ሕቶ ኣቕሪባ ኣላ።
ሲቲ ነቲ ብራዚላዊ መከፋፈሊ 70 ሚሊየን ፓውንድ ተቕርብ እምበር ዌስትሃም ግን ፓኩዌታ ዝሽየጥ ተፃዋታይ ኣይኮነን ብዝብል ውድቂ ገይራቶ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com