ንልዕሊ 53 ሺሕ ንዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ሃገር ተፈጢሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2015(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ብስርዓት ሓበሬታ ዕዳጋ ስራሕ ኣቢሉ ንልዕሊ 53 ሺሕ ንዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ሃገር ከምዝተፈጠረ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ኣፍሊጡ።
ኣመራርሓታት እቲ ሚኒስቴር፣ ዲናት ኮሌጃት ቴክኒክን ሞያን ከምኡ እውን መዳርግቲ ኣካላት ዘሳተፈ መድረኽ ዘተን ስልጠናን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ይሳለጥ ኣሎ።
እቲ መድረኽ÷ ኣብ ፃንሒቱ ዝወገኖም ስራሕቲ ለውጢ፣ ዝተረኸቡ ውጽኢታን ኣብ ቀፀልቲ ትልሚታትን ልዝብ ከምዝግበር ተገሊፁ፡፡
በትናንትናው ዕለትም በአመራር ጥበብና ስኬታማ የአሰራር ሂደቶች ላይ ስልጠና መሰጠቱን የገለጸው ኢዜአ ነው።
ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ከምዝገለፀኦ፥ ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ሃገር በቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ ውፅኢታዊ ንምግባር እናተሰርሐ ምዃኑ ተዛሪበን፡፡
ኣብቲ ከይዲ ዲጂታል ስርዓት ሓበሬታ ዕዳጋ ስራሕ ተግባራዊ ከምዝተገበረ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር÷ በቲ ስርዓት ሓበሬታ ዕዳጋ ብምጥቃም ኣብ ዝሓለፉ ሸለስተ ኣዋርሕ ልዕሊ 35 ሺሕ ዜጋታት ብሕጋዊ መገዲ ናብ ወፃኢ ሃገር ከምዝኸዱ ገሊፀን።
ኣብ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ብሓፈሻ 105 ሺሕ ዜጋታት ብሕጋዊ መገዲ ናብ ወፃኢ ንስራሕ ከምዝኸዱ ብምሕባር እዚ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣብሪሀን።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com