Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዘ ተወሳኺ ሓደ ሰብ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዘ ተወሳኺ ሓደ ሰብ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።
 
ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 294 ሰባት ምርመራ ላቦራቶሪ ዝተገበረ እንትኸውን፥ ካብዚኦም እቲ ሓደ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፈ ምርግጋፁ ተገሊፁ።
 
እቲ ወዲ 43 ዓመት ኢትዮጵያዊ፥ ካብ ካናዳ ናብ ዱባይ ካብኡ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ዝመፅአን ኣብ ክፍሊ ፈሊኻ መፅንሒ ክትትል ሕክምና ዝግበረሉ ዝነበረን ከምዝኾነ ተገሊፁ።
 
ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ 56 ሰባት ብኮቪድ-19 ምትሓዞም ተረጋጊፁ ኣሎ።
 
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.