ኣብቲ ኣዋጅ ህፀፅ እዋን ዝውሰዱ ስጉምቲታትን ዝተኸልከሉ ተግባራትን ዕላዊ ኮይኖም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰላምን ድሕነነትን ህዝቢ ንምሕላው ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውፀኦ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝውሰዱ ስጉምቲታትን ዝተኸልከሉ ተግባራትን ዕላዊ ኮይኖም።
ኣብቲ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝውሰዱ ስጉምቲታትን ዝተኸልከሉ ተግባራትን እንታይ እንታይ ኢዮም?
በቲ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝውሰዱ ስጉምቲታት፦
እዚ ላዕለዋይ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዕላማ እቲ ኣዋጅ ንምዕዋት ኣድላዪ ኢዩ ኢሉ እንትኣምን፦
1) ኣብ ኣደባባይ ኣኼባን ሰልፊን ምግባር፣ ምውዳብ፣ ብጉጅለ ብምዃን ምንቅስቓስ ምኽልካል፣
2) ሰዓት እቶ እቶ ምእዋጅ፤ ንዝተወሰነ ግዘ ሓደ ናይ ጉዕዞ መገዲ፣ ግልጋሎት መውሃቢ ትካልን መጓዓዓዚ መገዲን ንኽቋፅ ንምእዛዝ፣
3) ሰባት ንግዚኡ ብዝተወሰነ ቦታ ክፀንሑ፣ ናብ ዝተወሰነ ከባቢ ከይኣትዉ ወይ እውን ካብ ዝተወሰነ ቦታ ክልቀቑ ንምእዛዝ፣
4) ጦር መሳርሒ፣ በላሕቲ ወይ እውን ሓደጋ ከብፅሑ ዝኽእሉ ነገራት ሒዝካ ምንቅስቓስ ንምኽልካል፣
5) ኣብ ልዕሊ ሃገረ መንግስቱን ሕገ መንግስታዊ ስርዓቱን ዝፍነዉ ገበናትን ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ምጥሓስን ከምኡ እውን ኣፈፃፅምኡ ናይ ምትዕንቓፍ ገበን ምፍፃሙ፣ ምፍታኑ ወይ ድማ ንምፍፃም ኣብ ምድላው ከምዝኾነ ዝተጠረጠረ ዝኾነ ይኹን ሰብ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕል ንምግባር፣
6) ገበን ከምዝተፈፀመሎም ወይ እውን ክፍፀመሎም ከምዝኽእል ዝተጠረጠሩ ኣቑሑት ንመሓዝ እንትበሃል
ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ዝኾነ ይኹን ስፍራን መጓዓዓዚን ንምብርባር፣
7) ኩነታት ሓለዋ መንግስታዊን ህዝባዊ ትካላትን መሰረተ ልምዓታትን ንምውሳን፣
8} ዝኾነ ይኹን ዕላማ ኣዋጅ ብዝተፃረረ መልክዑ እናተንቀሳቐሰ ከምዝጀኾነ ዝተጠረጠሩ መራኸብቲ ሓፋሽ ይኹኑ ካልኦት ኣካላት ክዕፀዉ፣ ክቋረፁ፣ ፍቓዶም ክስረዝ ወይ ድማ ምንቅስቓሶም ክግደብ ንምእዛዝ፣
9) ዝኾነ ይኹን ግልጋሎት መውሀቢ ትካል ከይዕፆን ንህዝቢ ግልጋሎት ክህብን ንምእዛዝ፣
10) ዝኾነ ይኹን ንህዝቢ ትራንስፖርት ዝህባ ተሸከርከርቲን መጓዓዝቲ ኣቑሑትን ግልጋሎት ንኽህቡ ንምእዛዝ፣
11) ዝተፈላለዩ ብርኪታት ምሕደራን ውዳበታትን መሊስካ ንምጥያሽ፣ ምውዳብ ወይ እውን ጉዳያት ፀፅታን ምሕደራን ኣብ ዝምልከት ውሳነታት ናይ ምምሕልላፍን ካልኦት ስጉምቲታት ምውሳድ፣
12) ሰላም ህዝቢ፣ ድሕንነት ሃገር ኣድለይቲ ዝኾኑ ስጉምቲታት ምውሳድ፣ ውሳነታት ምምሕልላፍን ትእዛዝ ምሃብን ስልጣን ኣለዎ፡፡
ዝተኸልከሉ ተግባራትን ግቡኣትን
1) ዝኾነ ይኹን ሰብ ነዚ ኣዋጅ፣ ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ዝወፅኡ መምርሒታት፣ ዝወሃቡ ትእዛዛትን ዝመሓላለፉ ውሳነታትን ናይ ምትግባርን ናይ ምኽባርን ግቡእ ኣለዎ።
2) ምንቅስቓስ እዚ ላዕለዋይ መምርሒ ህፁፅ እዋንን ዕላማ እቲ ኣዋጅ ህፁፅ እዋንን ዝፃረር፣ ዝቃወምን ኣብቲ ክልል ምንቅስቓስ ዓመፅ ዘበረታትዕ፣ ሰላማዊ ዜጋታት ዘርዕድ፣ ከምኡ እውን ዘሎ ቅልውላው ፀፅታ ዘበኣእስ ዝርርብ፣ ቀጥታዊ ይኹን ተዘዋዋሪ ጎስጓስ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ምግባር ወይ እውን ምፍናው ዝተኸልከለ ኢዩ።
3) ኣብ ዝኾነ ይኹን መገዲ፣ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ንጉጅለ ዕጡቓት ገንዘባዊ፣ ሓበሬታ፣ ንዋታዊ ይኹን ሞራላዊ ሓገዝ ምግባር ዝተኸልከለ ኢዩ።
4) ካብ ፍቓድ እዚ ላዕለዋይ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ወፃእ ዝኾነ ይኹን ናይ ኣደባባይ ኣኼባ ወይ እውን ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር ዝተኸልከለ ኢዩ።
5) ካብ ፍቓድ እዚ ላዕለዋይ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ወፃእ ዝኾነ ይኹን ጦር መሳርሒ ሒዝካ ምንቅስቓስ ዝተኸልከለ ኢዩ።
6) ዝኾነ ይኹን ወሳኒ ኣብ ዝኾነ ዘፈር ግልጋሎት ይኹን ኣብ ከይዲ ፍርያት ምትእጉጓ ስራሕ ወይ እውን ኣሻጥር ኢኮኖሚ ምፍፃም ዝተኸልከለ ኢዩ።
7) ኣፈፃፅማ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ሰበብ ብምግባር ውልቃዊ ረብሓ ንምርካብ ስልጣን ብዘይተገበአ መንገዲ ምጥቃም፣ ምኽንያታዊ ዝኾነ ጥርጣረ ኣብ ዘይብሉ ኮነ ኢልካ ዜጋታት ምእሳር ወይ እውን መሰል ስጉምቲታት ምውሳድ ብጥብቂ ዝተኸልከለ ኢዩ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com