Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ህፁፅ ጉባኤኡ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዚያ፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 5ይ ዘበን 6ይ ህፁፅ ጉባኤኡ ሎሚ መዓልቲ 1 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም ብቪድዮ ኮንፈረንስ የሳልጥ ኣሎ።

እቲ ህፁፅ ጉባኤ ብምኽንያት ዓለምለኸ ተላባዲ ሕማም ቫይረስኮሮና ኣብ ኩለን ዞባታት ትግራይ ኣብ ዝተተኸላ ሸሞንተ ማእኸላት ወረዳ ቪዲዮ ኮንፈረንሲንግ ሩም ኢዩ ዝሳለጥ ዘሎ።

እቶም ጉባኤተኛታት ህዝቢ ካብ ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና (ኮቪደ-19) ንምክልኻል ዝወፀ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቁፅሪ 1/2012 ዓ.ም ብምዝታይ ከፅድቑ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብተወሳኺ ካብ ክልል ትግራይ ወፃእ ናብቲ ክልል ምስ ዝኣተው ተጓዓዝትን ቅድም ክብል ኣብ ውሽጢ ክልል ዝተቐመጠ ምንቅስቓስን ተተሓሒዙ ዝግበሩ ምምሕያሻትን ሓደሽቲ ውሳነታትን ብምምርማር ከፅድቕ ትፅቢት ይግበር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.