ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ካብ 29 ሓምለ ጀሚሩ ተምሃሮ ከምዝቕበል ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ካብ 29 ሓምለ ክሳብ 1 ነሓሰ 2015 ዓ/ም ቅበላ ተምሃሮ ከምዘካይድ ኣፍሊጡ።
ፕሬዚደንት ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ዶክተር ዛይድ ነጋሽ፥ እቲ ዩኒቨርስቲ ብሰንኪ ኵናት ኣብ ስነልቦና፣ ሓይሊ ሰቡን ዉሽጣዊ ናዉትን ኣዝዩ ከቢድ ሃስያ ዋላ እንተበፅሖ ንዘጋጥምዎ ክፍተታት ንምምላእ ከካይዶም ዝፀንሐ ፃዕሪታት ይዉገን ኣሎ ኢሎም።
ኣብ ቀረባ እዋን ምምሃር ምስትምሃር ከምዝጅምር እውን ተዛሪቦም።
ስለ ዝኾነ ብሰንኪ ኵናት ትምህርቶም ዘቛረፁ ተምሃሮ እቲ ዩኒቨርስቲ፣ ኣብ ካልኦት ዩኒቨርስቲታት ክመሃሩ ፀኒሖም በዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ናብቲ ዝመሃርሉ ዩኒቨርስቲ ከይዶም ክመሃሩ ዘይኽእሉ ተምሃሮ ካብ 29 ሓምለ ክሳብ 1 ነሓሰ 2015 ዓ/ም ከምዝቕበል ኣፍሊጦም።
ብዉሽጣዊ ዓቕምታቱ ንሰራሕተኛታቱ ኣብ ዙርያ ሕውየት ስልጠና ከም ዝሃበን ዝዓነዉ ናዉቲ ድማ ዘድሊ ፅገናን ምምላእን ብመምህራን እቲ ዩኒቨርስቲ ከም ዝተሳለጠ ኣረዲኦም።
እቲ ዩኒቨርስቲ ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ንዝወስዱ ተምሃሮ ዞባታት ምብራቕን ማእኸልን መጠናኸሪ ትምህርቲ ንምሃብ እዉን ክቕበሎም ዘድሊ ቅድመ ምድላዉ ምፅፋፉ ዶክተር ዛይድ ከምዝገለፁ ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሸን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።