ሰር ቦብ ጌልዶፍ ን10 ሸሕ ህፃናት ትግራይ ዝውዕል ናውቲ ትምህርቲ ብሓገዝ ኣበርኪቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ገባሪ ሰናት ኣይስ(EYES) ካብ ሰር ቦብ ጌልዶፍ ዝረኸቦ ን10 ሸሕ ህፃናት ትግራይ ዝውዕል ናውቲ ትምህርቲ ሎሚ መዓልቲ ኣረኪቡሎሚ መዓልቲ ኣረኪቡ።
ኣካያዲ ስራሕ ኣይስ ኣይተ ብስራት መስፍን፥ ህፃናት ትግራይ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክምለሱን ዘድልዮም ናውቲ ትምህርቲ ንምምላእን ትካሎም ዘድሊ ፃዕሪ ከምዝገብር ተዛሪቦም።
ሓላፊ ካቢኔ ሰክሪተርያት ስግግር ማሕበራዊ ልምዓት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ክንደያ ገ/ሂዎትን(ፕሮፌሰር)፣ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክዚያዊ ምምሕዳር ኪሮስ ጉዑሽ(ዶ/ር) ኣብቲ ስነስርዓት ርኽክብ ተረኺቦም።
እተ ሓለፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፥ ኣብ ዳግመ ህንፀት ዓውደ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ለገስቲ ትካላትን ውልቀሰባትን ሓጋዚ ግደ ኣለዎም ኢሎም።
እቲ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ንክቕፅሉ እውን ፃውዒቶም ምቕራቦም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሸን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ሰር ቦብ ጌልዶፍ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ብምስላፍ ነቲ ዘጋጠመ ደርቂን ጥምየትን ንምክለካል ንዝገበሮ ኩለ መዳይ ሓገዝ ዩንቨርስቲ መቐለ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመታት ናይ ክብሪ ዶክትሬት ከምዝሃቦ ይዝከር።
ብመሰረት እዚ እቲ ትካል ካብ ሰር ቦብ ጌልዶፍ ዝተበሃለ ገባሪ ሰናይ ውልቀሰብ ዝተረኸበ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ንቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ከምዘረከበ ተዛሪቦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።