Fana: At a Speed of Life!

ናይ ሞት ምፍርራሕ ይበፅሓኒ ኣሎ-ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ምስ ቫይረስኮሮና ተታሓሒዙ ናይ ሞት ምፍርራሕን ዓሌታዊ ፀርፍን ይበፅሖም ከም ዘሎ ተዛሪቦም።

ትማሊ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፥ “ትካል ጥዕና ዓለም ብቐንዱ ብኣሜሪካ ‘ኳ እንተተደጎመ ንቻይና ዝወገነ ትካል’ዩ” ብምባል ነቲ ውድብ ዝህቦ ድጋፍ ደው ከብሎ ይኽእል እየ ኢሎም ነይሮም።

ዶክተር ቴድሮስ፥ ኣሜሪካ ነቲ ውድብ እትገብሮ ሓገዝ ገንዘብ ብምምስጋን እቲ ድጋፍ ከም እትቕፅለሉ ይተኣማመን ኢሎም።

እቶም ዳይሬክተር ጀነራል፥ “ኣብ ናይ ሃገርና ዶብ ጥራሕ ተሓፂርና ክንነብር ኣይንኽእልን፤ ኣብዚ እዋን ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ሓድነት የድልየና” ክብሉ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንዝሃብዎ ሓሳብ ምላሽ ሂቦም።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ምስ ቫይረስኮሮና ተታሓሒዙ ናይ ሞት ምፍርራሕን ዓሌታዊ ፀርፍን ይበፅሖም ከም ዘሎ እውን ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ “ነቶም በቲ ለበዳ ዝሳቐዩ ዘለውን ዝፈትውዎም ንዝስኣኑን ወገናት ብርህራሀ ብድንጋፀን ክንሪኦም ኣለና” ድሕሪ ምባል፥ “ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ልዕለይ ክወርድ ዝፀንሐ ዓሌታዊ ፀርፊን ናይ ሞት ምፍርራሕን ክነግረኩም እፈቱ” ኢሎም።

ዶክተር ቴድሮስ፥ “ኣነ ፀሊምን ኣፍሪካውን ብምዃነይ ሕቡን እየ፤ ብሕብረይ ንዝፀርፈኒ ኸኣ ፀርፊ ገይረ ኣይወስዶን። ብዙሕ ምፍርራሕ በፂሑኒ’ዩ፤ ኩሉ ፀሊምን ኣፍሪካን ክፅረፍ ከሎ ግን ኣይፃወሮን” ብምባል ገሊፆም።

ብኻልእ ወገን ድማ ዶናልድ ትራምፕ ንዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብምንቃፎም፥ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ንዶክተር ቴድሮስ ዘለዎም ድጋፍ ይገልፁ ኣለው።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.