ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ ናብ ብሪክስ ንምሕዋስ ባህጊ ከምዘለወን ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ ናብ ብሪክስ ንምሕዋስ ባህጊ ከምዘለወን ተገሊፁ።
ናብቲ ጉጅለ ንምሕዋስ ድልዋት ካብ መንጎ ዝኾና ሃገራት፥ ቦሊቪያ ከምዝተሓወሰት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ሮሄልዮ ማይታ ተዛሪቦም።
ካብ 22 ክሳብ 24 ነሓሰ 2023 ዓ.ም.ፈ ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ሃገራት ብሪክስ ፕሬዚዳንት ቦሊቪያ ሉዊስ ኣርሴ ከምዝሳተፉ እቶም ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ትዊተር ሒሳቦም ኣብ ዘስፈርዎ መልእኽቲ ገሊፆም።
ኣብቲ ኣኼባ ቀፃሊ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ምዕባለ ሃገሮም ብዝምልከት ትልሚ ከቕርቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ ተባሂሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ ፈረንጂ ኣርጄንቲና፣ ኢራንን ኣልጄሪያን ናብ ብሪክስ ንምሕዋስ ባህጊ ከምዘለወን ብምግላፅ ዘመልከታ ሃገራት እንትኾና፥ ኣብዚ ዓመት እዚ እውን ካልኦት ሃገራት ናብቲ ሕብረት ንምሕዋስ ባህገን ኣርኢየን ኣለዋ።
ኣብቲ ኣብ ጆሃንስበርግ ዝሳለጥ ጉባኤ ብሪክስ ተወሰኽቲ ሓሙሽተ ሃገራት ብኣባልነት ክቕበል ከመዝኽእል ተገሊፁ።
ብሪክስ ዝተብሃለ ሕብረት ኢኮኖሚ፥ ብራዚል፣ ሩሲያ፣ ህንዲ፣ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪካን ብኣባልነት ዝሓዘ ኢዩ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።