Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትየዮጵያ ኮቪድ-19 ንምክልኻልን ምቁፅፃርን ብዝብል ን5 ኣዋርሕ ዝፀንሕ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ከምዝተኣወጀ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ከምኡ እውን ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣት ንምንካይ ዝወፅአ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብዝምልከት ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ናይ ፅሑፍ መብርሂ ሂቡ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ ህፁፅ ኣኼባ ስግኣት ኮቪድ-19 እናወሰኸ ብምምፅኡ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ከምዝተኣወጀ ኣፍሊጡ ኢዩ።

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ኣብ ዘውፀኦ መብርሂ ድማ እቲ ኣዋጅ ዝኽልክሎም፣ ዝፈቕዶምን ካልኦት ዝርዝር ኣፈፃፅማታትን ኣብ ቀፃሊ ንህዝቢ ዕላዊ ክግበሩ ኢዮም።
እቲ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዘውፀኦ መብርሂ፥ ኣድላዪነት፣ ዓላማን ትሕዝቶን ናይቲ ኣዋጅ ዝምልከት ብዝርዝር ተመልኪቱ።

ብመሰረት እዚ ሕገ-መንግስቲ ፌዴሪኢ ንሃገርን ህዝቢን ናብ ሓደጋ ዝኾኑ ኩነታት እንተጋጥሙ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብምእዋጅ ዝመሓዳደረሉ ስርዓት ኣብ ዓንቀፅ 93 ከምዘቐመጠን ኮቪድ-19 ጥዕና ህዝቢታት ብልዑል ደረጃ ኣብ ሓደጋ ከውድቕ ዝኽእል ከምዝኾነን ተገሊፁ።

እቲ ለበዳ ሕማም ንምቁፅፃር፣ ንምክልኻልን ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣት ንምንካይ ዝውሰዱ ስጉምቲታት ንምስላጥን ውፅኢታዊ ንምግባርን ድማ ካብ ዝተለመደ ኣሰራርሓን ሕገ-መንግስታዊ ማዕቐፍን ብምውፃእ ብፍሉይ ኩነታት ምንቅስቓስ ዘሓትት ኢዩ።

እቲ ኣዋጅ መንግስቲ ዝርገሓ ናይቲ ቫይረስ ንምክልኻል ኣድለይቲ ዝኾኑ ስጉምቲታት ኣብ ዝወስደሉ እዋን ዝሐሸ ናፅነትን ዓቕሚን ንኽህልዎ፣ ኣብ ስልጣን መንግስቲ ዘለዉ ገደባት ወይ እውን ድንጋገታት ሰብኣዊ መሰላት ብፍሉይ ኩነታት ንግዚኡ ተፈፃምነቶም ተሪፉ ብሙሉእ ሓይሊ፣ ብዝተቐላጠፈን ብዝተዋደደን መልክዑ ምላሽ መሃብ ንኽከኣል ተሓሲቡ ዝወፅአ ኣዋጅ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዘውፀኦም ደምቢታትን ዝወስዶም ስጉምቲታትን ብዝኾነ ይኹን ኩነታት ኣብ ሕገመንግስቲ ፌዴሪኢ ዓንቀፅ 93 (4) (ሐ) ዝተቐመጠ ፍሉይ ሓለዋ ዝተገበረሎም ድንጋገታት ዝግድቡ ክኾኑ ከምዘይኽእሉ እውን ኣብቲ መብርሂ ተሓቢሩ።

እቲ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ናይ ምፍፃም ሓላፍነት ብዝምልከት ድማ ዝርዝር ኩነታት ዝውሰዱ ስጉምቲታትን ገደባት መሰለን በቢእዋኑ ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ወይ ድማ እቲ ቤት ምኽሪ ነዚ ዕላማ ንምፍፃም ብዘጣይሾ ኮሚቴ ሚኒስትራት እናተወሰነ ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝግበር ኣብሪሁ።

እቲ ኣዋጅ ኣብ መላእ ሃገር ተፈፃሚ ዝኸውን እንትኸውን፥ ዝኾነ ይኹን ሰብ ብመሰረት ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብኣኽበርቲ ሕጊ ወይ ድማ ክሊእ ሕጋዊ ስልጣን ዘለዎ ኣካል ዝወሃብ ሕጋዊ ትእዛዝን መምርሒን ናይ ምፍፃም ግቡእ ከምዘለዎ ተደንጊጉ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.