Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ስራሕቲ ምምሃር ምስትምሃር ዳግም ንምጅማር ተምሃርኡ ፀዊዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ብሰንኪ ኲናት ኣቋሪፁዎ ዝነበረ ስራሕቲ ምምሃር ምስትምሃር ዳግም ንምጅማር ቅድመ ምድላው ብምዝዛም ተምሃርኡ ንምዝገባ ፀዊዑ።

ብመሰረት እዚ 3ይን ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾኖም ስሩዕ ተምሃሮ ቅድመ ምረቓ፣ ኩሎም ተምሃሮ ክፍሊ ሕክምናን ኩሎም ስሩዕ ተምሃሮ ድህረ ምረቓ ዕለት 2 ን 3 ን ነሓሰ 2015 ዓ.ም ክምዝገቡ ኢዮም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኩሎም ክረምታዊ ቅድመን ድህረን ምረቓ ተምሃሮ÷ ዕለት 4 ን 5 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ሪፖርት ንኽገብሩ ፃውዒት ምቕራቡ ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

ኩሎም ተምሃሮ ኤክስቴንሽን ቅድመ-ምረቐን ድህረ-ምረቓን 6ን 7ን ነሓሰ 2015 ዓ.ም፤ ከምኡ 1ይን 2ይን ዓመት ዝነበሩ ስሩዕ ትምህርቲ ቅድመ ምረቓ ተምሃሮ 10ን 11ን መስከረም 2016 ዓ.ም ክምዝገቡ ኢዮም፡፡

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ወፃእ ዝተመደቡን ናይ ምኻድ ዕድል ዘይረኸቡን ወይ እውን ዘቋረፁ ተምሃሮ መረዳእታ ትምህርቶም ብመሓዝ ብመሰረት ዝተገለፀ ኣብ ዝተመደቡሉ ቀፅሪ ብኣካል ብምርካብ ሪፖርት ንኽገብሩ ተሓቲቶም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.