Fana: At a Speed of Life!

ውሳነታት መበል 18 ህፁፅ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ መበል 18 ህፁፅ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ተዛትዩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

1 . እቲ ቤት ምኽሪ ፈለማ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ከምኡ እውን እቲ ቫይረስ ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣት ንምንካይ ብዝብል ኣብ ዝወፅአ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣድሂቡ ኢዩ ተዛቲዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ፥ ኮቪድ-19 ክትቫት ይኹን መድሓኒት ዘይብሉ፣ ብቕልጡፍ ዝላበድን ብብርኪ ዓለም ልዑል ዝኾነ ሰብኣዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ፅዕንቶ እናስዐበ ዝርከብ ዓለም ለኻዊ ለበዳ ምዃኑ ብምግንዛብ፤ ዝርገሐ እቲ ባይረስ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ብሚሊየናት ዝቑፀሩ ሰባት እናጥቀዐ ከምዝኾነን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ድማ ህይወቶም እናቐንፀለ ከምዝርከብን ተመልኪቱ።

ከምዙይ ዓይነት ኩነታት እንትፍጠር ድማ ብዝተለመደ ከይዲ ሓላልዋ ጥዕናን ድሕንነት ዜጋታት ምሕላውን ኣፀጋሚ ብምዃኑ፤ ጭቡጥ ኩነታት ኢትዮጵያ እንትረአ እውን ዝርገሐ ናይ̕ቲ ቫይረስን በቲ ቫይረስ ዝተጠቕዑ ሰባት እናወሰኸ ምምፅኡን ኣብ ማሕበራ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን እታ ሃገር ፀገም እናፈጠረ ስለዝርከብ፥ ነቶም ፀገማት ዝኸውን ምላሽ ንመሃብ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ምእዋጅ ኣገዳሲ ክኸውን ክኢሉ ኢዩ።

ኣብ ሕገ-መንግስ ፌዴሪኢ ከምዙይ ዓይነት ኩነታት እንተጋጥሙ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ንምእዋጅ ዘኽእል ስርዓት ኣብ ዓንቀፅ 93 ተደንጊጉ ኢዩ።

ብመሰረት ዓንቀፅ 93 (1) (ሀ)፥ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ንኽእወጅ መበገሲ ካብ ዝኾነ ኩነታት ሓደ “ጥዕና ህዝቢታት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ሕማም እንተጋጥም” ብዝብል ተቐሚጡ ይርከብ።

የኮቪድ-19 ጥዕና ህዝቢታት ብልዑል ብርኪ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ውድብ ጥዕና ዓለም “ዓለም ለኸ ለበዳ ሕማም” ኢሉ ምእዋጁ ስዒቡ ካብ 70 ዘይውሕዳ ሃገራት እቲ ለበዳ ንምቁፅፃርን ህዝበን ካብቲ ተላባዲ ሕማም ንምድሓንን ድንጋገ ህፁፅ እዋን ኣውፂአን ኢየን።

ብብርኪ ሃገር ድማ እቲ ለበዳ ሕማም ንምክልኻል፣ ንምቁፅፃርን ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣት ንምንካይን ዝውሰዱ ስጉምቲታት ንምስላጥን ውፅኢታዊ ንምግባርን ካብ ዝተለመደ ኣሰራርሓ ብምውፃእ ብፍሉይ ኩነታት ምንቅስቓስ ከምዘድሊ ስለዝተኣመነሉ ረቂቕ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ተዳሊዩ ናብ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ቀሪቡ ኢዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ብግድኡ ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ ዝተወሰኑ መስተኻኸሊታት ብምውሳኽ ካብ ሎሚ መዓልቲ ዕለት 30 መጋቢት 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ወሲኑ።

እቲ ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን፥ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ስራሕ ኣብ ዘለዉሉ እዋን ዝተኣወጀ ብምዃ ብሕገ-መንግስቲ ፌዴሪኢ ዓንቀፅ 93 (2(ሀ)) መሰረት ብምግባር ብህፁፅ ናብቲ ባይቲ ንኽለኣኽ ተወሲኑ ኣሎ።

2 . ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት፥ ምስ ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ዝተገበሩ ሰለስተ ስምምዓት ልቓሕ ኣድሂቡ ብካልኣይ ደረጃ ተዛተዩ።

እቲ ናይ መጀመርታ ስምምዕነት ልቓሕ ንመፈፀሚ ፕሮጀክት ህፁፅ እዋን ምላሽ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ዝውዕል 41 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ እንትኸውን፥ እቲ ካልኣይ ድማ ንመፈፀሚ ፕሮጀክት ክፍለ ኣህጉራዊ ኢንቨስትመንት ማእኸል ምቁፅፃርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪካ ዝውዕል ስምምዕነት ልቓሕ 54 ነጥቢ 9 ሚሊየን ኣሜሪካ ኢዩ።

እቲ ሳልሳይ ንመፈፀሚ ፕሮግራም ካልኣይ ዕቤትን ተወዳዳሪነትን ፖሊሲ ልምዓት ፋይናንስ ኢትዮጵያ ዝውዕል 1346 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ስምምዕነት ልቓሕ እንትኸውን፥ እቲ ቤት ምኽሪ ኩሎም ስምምዓት 0 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ወለድ ዝሕሰበሎም፣ ናይ ሽዱሽተ ዓመት እፎይታ ዘለዎምን ኣብ ነዊሕ እዋን ተኸፊሎም ዝዛዘሙ ብምዃኖም ኣብ ኢኮኖሚ ጋገር ዘስዕቡዎ ፅዕንቶ ስለዘየለን ከምኡ እውን ለበዳ ሕማም ቫረስ ኮሮና ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ሃገራዊ ርብርብ ልዑል ረብሓ ከምዘለዎም ኣብ ግምት ብምእታው እቶም ረቀቕቲ ኣዋጃት ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኽፀድቁ ብሙሉእ ድምፂ ኣመሓላሊፉዎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.