Fana: At a Speed of Life!

መበል 1 ሺሕን 445 በዓል ዓሹራ ኣብ መስጊድ ኣልነጃሺተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣቆፃፅራ ሄጅራ መበል 1 ሺሕን 445 በዓል ዓሹራ ካብ ሃይማኖታዊ ክብሪታቱ ብዝሕሉ መንገዲ ኣብ ጥቓ መስጊድ ኣልነጃሺ ተኸቢሩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኣከባብራ÷ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታ ዝመፅኡ ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምናን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።

ኣብቲ በዓል ተረኺበን መደረ ዘስምዓ ምክትል ሓላፊት ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ወይዘሮ ዘነቡ ሓለፎም÷ ደሪሕ ኣልነጃሺ ታሪኻዊን ቅዱስ ስፍራን ጥራሕ ዘይኮነስ ማእከል ምክብባርን ምክእኣልን ሃይማኖታት ከም ዝኮነ ገሊፀን።

እቲ ቅዱስ ስፍራ ብሰንኪ ዝነበረ ጎንፂ ዝበፅሖ ጉድኣት ቀልጢፍካ ብምፅጋን ማእከል መስሕብ ቱሪዝም ንምግባር መደብ ከምዘሎ ኣብሪሀን።

ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ትግራይ ሸክ ኣደም ዓብደልቃድር ብግደኦም÷ “ኣልነጃሺ ዝበፅሖ ጉድኣት ምፅጋን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ከተማ ነጋሽ ኮሌጅ ሃይማኖት እስምልና ብምኽፋት ማእከል ምርምርን ስነዳን ክኸዉን ክስራሕ ኢዩ” ክብሉ ምግላፆም ካብ ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.