ዋና ቤት ዕዮ ማእኸል ልምዓት ምትሕብባር መንግስታዊን ዘይመንግስታዊት ትካላት ፓን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኸፍት ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ቤት ዕዮ ማእኸል ልምዓት ምትሕብባር መንግስታዊን ዘይመንግስታዊት ትካላት ፓን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኸፍት ኢዩ ክብላ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ኦክሳና ማዮሮቫ (ፕ/ር) ገሊፀን።
እተን ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግን ኮርፖሬት ኣብ ዝነበረን ፃንሒት፥ ምትሕብባር መንግስቲን ውልቀን ስርዓተ ትምህርቲ ብምቕራፅ ልዕሊ ክልተ ሺሕ ንዝኾኑ መናእሰይ ምሁራን ብኢንተርኔት ዝተሓገዘ ስልጠና ካልኣይ ድግሪ ይህቡ ኣለዉ ኢለን።
ፈለምቲ ተመረቕቲ ኢትዮጵያዊያን ከምዝኾኑ ድማ ተዛሪበን።
ካብ ዝተፈላለያ ዩንቨርስቲታት ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ 17 ተምሃሮ ነቲ ዝተውሃቦም ስልጠና ብዝለዓለ ውፅኢት ብምዝዛም ካብ ፍሉጣት ዩንቨርስታት ሩሲያ ወረቐት ምስክር ከምዝተቐበሉ ሓቢረን።
እቲ ትካል ኣብ ቀፃሊ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምስ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካን ብምትሕብባር ንምስራሕ ብልዑል ባጀት ዝተሓገዘ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ብምቕራፅ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ኣረዲአን።
ስለዝኾነ ዋና ቤት ዕዮ ማእኸል ልምዓት ምትሕብባር መንግስታዊን ዘይመንግስታዊት ትካላት ፓን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኸፍት ኢዩ ኢለን።
ብወንደሰን አረጋኸኝ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።