ኣብ ዝሓለፉ 7 ኣዋርሕ 102 መጥባሕቲ ብሌን ዓይኒ ተኻይዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ወርሒ ጥሪ 2023 ጀሚሩ 102 መጥባሕቲ ብሌን ዓይኒ ከምዝተኻየደ ባንኪ ዓይኒ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡
ሜዲካል ዳይሬክተር እቲ ባንኪን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ክፍሊ ትምህርቲ ዓይኒ መምህርን ዶ/ር መነን ኣያሌው÷ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፈረንጂ ድሕሪ ሕልፈት 191 ብሌን ዓይኒ ንምልጋስ ቃል ከምዝተኣተወ ኣዘኻኺረን፡፡
ተታሒዙ ዘሎ ዓመት ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ ድማ ድሕሪ ሕልፈት 322 ብሌን ዓይኒ ንምልጋስ ቃል ከምዝተኣተወ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪበን፡፡
እዚ ድማ ብሌን ዓይኒ ምስ ምልጋስ ተተሓሒዙ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ኣመለኻኽታ እናተመሓየሸ ምዃኑ ይርእ ኢምበር÷ ብመንፅር ዝድለ መጠን ብሌን ዓይኒ ግን እኹል ከምዘይኮነ ኣገንዚበን፡፡
ዶክተር መነን ኣያሌው÷ “ብሌን ዓይንና ንለግስ፤ ብርሃን ኣይንቕበር” ክብላ ድማ ሕብረተሰብ ድሕሪ ሕልፈት ብሌን ዓይኑ ንኽልግስ ፃውዒት ኣቕሪበን።
ብዮሃንስ ደርበው
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com