ኢትዮጵያን ሩሲያን ዝምድነአን ብኣግባቡ ዘንፀባርቕ ርክብ ሚዲያን ኮሚኒኬሽንን ክህልወን ይግባእ-ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሩሲያን ንዘበናት ዝፀንሐ ዝምድና ታሪክ፣ ባህልን ዲፕሎማሲን ብኣግባቡ ዘንፀባርቕ ርክብ ሚዲያን ኮሚኒኬሽንን ክህልወን ይግባእ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።
ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ፥ ኣብ ሩሲያ ከተማ ቅዱስ ፒተርስበርግ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ሩሲያ ኣፍሪካ ይሳተፋ ኣለዋ።
እተን ሚኒስትር ዴኤታ ምስ ምክትል ሚኒስትር ዲጅታል ልምዓት፣ ኮሚኒኬሽንን ማስ ሚዲያን ቤላ ቼርኬሶቫ ዘቲየን።
ኣብቲ ዘተ፥ ኣፍሪካዊያን ዓለም ለኸ ኣማራፅታት ሚዲያ ንምስፋሕ ኣብ ሩሲያ ኣብ ዝርከቡ ዓበይቲ መራኸብቲ ሓፋሽ ስራሕቲ ህንፀት ዓቕሚ ክገብሩ ከምዝግባእ ተገሊፁ።
ብብርኪ ዓለም ስኑዕ ሓበሬታ፣ ዘረባ ፅልኣትን ወዘተ ፀገማት ዘስዕብዎ ዘለዉ ጉድኣት ንምቕናስ ክልቲአን ሃገራት ልምዲ ንምልውዋጥን ውፅኢታዊ ዝኾነ ኣሰራርሓ ንምትግባርን ተስማዕሚዐን።
ሩሲያ ንሰብ ሞያ ሚዲያን ኮሚኒኬሽንን ኢትዮጵያ ስልጠናን ዕድላት ትምህርቲን ምሃብ ድልየት ከምዘለዋ እተን ምክትል ሚኒስትር ሓቢረን።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።