ሚኒስቴር ግብርና ካብ ጅቡቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ዘመናዊ ድኹዒ ብቕልጡፍ ናብ ክልላት ንክውዛዕ ኣተሓሳሲቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ግብርና ካብ ጅቡቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ዘመናዊ ድኹዒ ብቕልጡፍ ናብ ክልላት ንክውዛዕ ኣተሓሳሲቡ።
ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ሶፍያ ካሳ (ዶ/ር)፥ ልዕሊ 20 ተሽከርከርቲ ፅዕነት ልዕሊ ክልተ መዓልታት ኣዲስ ኣበባ ኣቲየን እቲ ዘመናዊ ድኹዒ ከየራገፋ ደው ኢለን ከምዘለዋ ኣብ ዝገበርኡ ዑደት ምርግጋፀን ተዛሪበን።
ስለዝኾነ እተን ተሽከርከርቲ ዝፀዓንኡ ኣራጊፈን ብቕልጡፍ ናብ ክልላት ንክከፋፈን መምርሒ ሂበን።
ኣብ መኽዘን ዘሎ ዘመናዊ ድኹዒ እውን ነተን ክልላት ንክወሃብ ንሓለፍቲ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ግብርና ትእዛዝ ምሃበን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።