ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ፑቲን ዘቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ሃገራዊ ክልቲኣዊ ዛዕባታት ዝጠመተ ዘተ ኣካይዶም።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዝፀንሐን ታሪኻዊን ርክብ ብምጥንኻር ርክብ ንግደን ናብ ክብ ዝበለ ብርኪ ንምብፃሕ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ተላዚቦም።
ብተወሳኺ ኣብ ግብርናን ማኑፋክቸሪንግን ኢንዱስትሪታት ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘለዎም ቁርፀኝነት ምግላፆም ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ሎሚ ረፋድ ኣብ ኮንስታንቲኖቭስኪ ቤተ መንግስቲ ብፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።
ፕሬዚዳንት ፑቲን ንዝገበርዎ ኣቀባብላን ንዘካየድናዮ ግልፂ ዘተን አመስግን ክብሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ መበል ካልኣይ ጉባኤ መራሕቲ ሩሲያ-ኣፍሪካ ቀዲሞም ብዑደት ስራሕ ምጅማሮም ይዝከር።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።