ኮርፖሬሽን ኣባይቲ 2 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ኣታዊ ኣኪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ፌዴራል ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት 2 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝኣከበ ኣፍሊጡ።
ኣፈፃፅማ 2015 ዓ.ምን ትልሚ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ምን እቲ ኮርፖሬሽን ተገምጊሙ፡፡
ኣብቲ በጀት ዓመት÷ ኣብ ምሕደራ ኣባይቲ፣ ልምዓት ገዛ፣ እታወት ቀረብ ኮንስትራክሽን፣ ዘፈር ግልጋሎትን ስትራቴጂክ ክፍሊ ስራሕን ዝተወገኑ ስራሕቱ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ረሻድ ከማል ተዛሪቦም፡፡
ኣማራፂታት እቶት ብምስፋሕ፤ እቲ ትካል ዘለዎ ኣታዊ ብግቡእ ምእካብ ከምዝተኽኣለ ካብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓፈሻዊ ሃፍቲ እቲ ኮርፖሬሽን ልዕሊ 260 ቢሊየን ብር ከምዝበፅሐ ተሓቢሩ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com