Fana: At a Speed of Life!

ይልቃል ከፋለ (ዶ/ር) ምስ ተወካሊ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ይልቃል ከፋለ (ዶ/ር) ምስ ተወካሊ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ክሪስ ኒኮል ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት በቲ ትካል ዝተሰርሑ ተግባራትን ኣብ ቀፃሊ ዝትግበሩ ስራሕቲን ኣልዒሎም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር÷ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብቲ ክልል ሓገዝ ዝድልዩ ዜጋታት ብቐዳምነት ሓገዝ እናገበረ ከምዝኾነ ብምግላፅ ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

ሕዚ እውን ዕለታዊ ተበፃሒ ሓገዝ ዝጠልቡ ብዙሓት ዜጋታት ከምዘለዉ ዝሓበሩ እቶም ርእሰ ምምሕዳር÷ ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ትካላት ተመሳሳሊ ሓገዝ ንኽገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ተወካሊ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያን ካንትሪ ዳይሬክተርን ክሪስ ኒኮል ብግደኦም÷ ትካሎም ሓገዝ ንዘድልዮም ዜጋታት ዝገብሮ ሰብኣዊ ሓገዝ እናቅረበ ምፅንሑን ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.