Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ዋንግ ዪ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ንክኾኑ ሸይማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኣስታት ሸውዓተ ወርሒ ዘገልገሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ነበር ኲን ጋንግ ካብ መዝነቶም ከምዝተኣልዩ ተገሊፁ።

ጋንግ ብዘይተገልፀ ምኽንያት ንነዊሕ እዋን ካብ ዓይኒ ህዝቢ ተሰዊሮም ከምዝፀንሑ ተሓቢሩ።

እቶም ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ነቲ መዝነት ዝተረከቡ ወዲ 57 ዓመት ኲን ጋንግ እሙን ተሓጋጋዚ ፕሬዚዳንት ሺ ዢንፒንግ ምንባሮም ይግለፅ።

ይኹን እንበር ኲን ጋንግ ካብ መዝነት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ከምዝተልዓሉ  ሺንሁዋ ፀብፂቡ።

ቅድሚኡ ነቲ መዝነት ተረኪቦም ዝነበሩ ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢ ዴሳዊ ፓርቲ ቻይና ዋንግ ዪ፥ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ብምዃን ከምዝተሸሙ ድማ ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.