Fana: At a Speed of Life!

ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ቅድመ ምድላው ፈተና 12 ክፍሊ ዩኒቨርሲቲ ጅግጅጋ ተዓዚቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2015(ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅግጅጋ ብምርካብ ቅድመ ምድላው መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ 2015 ዓ.ምን ኩነታት ኣቀባብላ ተምሃሮን ተዓዚቦም።

እቶም ሚኒስትር÷ ምስ ኣመራርሓታት ብሄራዊ ክልል ሶማሌ ብምዃን ኢዮም ቅድመ ምድላው እቲ ፈተና ተመልኪቶም፡፡

ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ኣብ ዑደቶም ንኣመራርሓታት እቲ ዩኒቨርሲቲን ተፈተንቲ ተምሃሮን ብዛዕባ እቲ ቅድመ ምድላው ዘዘራረቡ እንትኾኑ፥ ተፈተንቲ ተምሃሮ ተረጋጊኦም ፈተነኦም ንኽወስዱ ኣበረታቲዖም።

ሃገር ለኸ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ ፅባሕ 19 ሓምለ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ከምዝወሃብ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.