Fana: At a Speed of Life!

ትምህርቲ ስቴም ኣብ ኣፍሪካ ንምብርትታዕ ሓዱሽ ቤት ትምህርቲ ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትምህርቲ ስቴም ኣብ ኣፍሪካ ንምብርትታዕ ዘኽእል ሓዱሽ ቤት ትምህርቲ ከምዝተኸፈተ ተገሊፁ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ቦይንግን ቲንክ ያንግን ብምትሕብባር ኣብ ኣፍሪካ ሰገናት መናእሰይ ብሳይንስ፣ ቴክኖሎጂ፣ ምህንድስናን ሂሳብ (ስቴም)ን ላዕለዋይ ትምህርቲ ክከታተሉ ንምግባር ዝዓለመ ሓዱሽ ቤት ትምህርቲ ከምዝኸፈተ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣቪየሽን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝወሃብ ትምህርቲ ስቴም ንሽዱሽተ ሰሙን ዝፀንሕ እንትኸውን÷ ንልዕሊ 300 ሰዓታት ትምህርቲን ስልጠናን ክወሃቦም ኢዩ።

እቲ መርሃ ግብሪ÷ ካብ ዝተፈላለያ ክልላት ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ 24 ተምሃሮ ንምቕባል ዝተሰናደአ እንትኸውን÷ ካብ ሞንጎ እዚ ኣቶም 50 ሚኢታዊ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና ተሓቢሩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ መምህራን ዝለዓለ ፅንፀ ሓሳብ ስቴም ንምስራፅ ዝሕግዙ ኣድለይቲ መሳርሒታት ክዕጠቑ ንምግባር መርሃ ግብሪ ስልጠና መምህራን ንመሃብ ከምዝተሰናደአ ምግላፁ ግልጋሎት ዜና ስኪፍት ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.