Fana: At a Speed of Life!

ስራሕቲ ሓምለዋይ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ተቐባልነት እናረኸበ ከምዝመፅአ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስራሕቲ ሓምለዋይ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ተቐባልነት እናረኸበ ከምዝመፅአ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ።

ኢትዮጵያ ካብ ጎንፂ ናብ ሰላም ዝኸደትሉ መገዲ ትኹረት ሃገራት እናሰሓበን ስራሕቲ ህንፀት ምስሊ ክብ ከምዘበሎን ተሓቢሩ፡፡

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ርክባት ጉዳያት ወፃኢን ዲፕሎማሲን ስሩዕ መግለፂ ሂቡ።

እቲ መግለፂ ዝሃቡ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር መለስ ኣለም÷ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ዝተኻየደ ኣኼባ ፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ካብ ጎንፂ ናብ ሰላም ዝኸደቶ መገዲ ትኹረት ሃገራት እናገዝአ ህንፀት ምስሊ ሃገር እናዕበየ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

እቲ ኣኼባ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ከምዝመርሑዎ ገሊፆም፡፡

“ዛዕባታት ቀሪፅካ ምትግባርን ክልተኣዊ ርክባትን ብዕዉት ኩነታት ምስላጥ ተኻኢሉ ኢዩ” ኢሎም።

ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ዋና ፕሮጀክት ኣባል ሃገራት ኢጋድ ዝኾነን ዓለም ለኸ ትኹረት እናሰሓበ ዝርከብን ሓምለዋይ ኣሰር÷ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ኣምባሳደራት ዝተፈላለዩ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ከምዝተሳተፉ ኣብሪሆም፡፡

ብፍሬህይወት ሰፊው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.