Fana: At a Speed of Life!

ክልል ኣምሓራ ስሩዕ ጉባኤኡ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልል ኣምሓራ 6ይ ዙር፣ 2ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 6ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ምክያድ ጀሚሩ።

ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሳብ 14 ሓምለ 2015 ዓ.ም ከመርዝካየድ ተገሊፁ።

ኣፈጉ ባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ወይዘሮ ፋንቱ ተስፋዬኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ዝበረኦ መደረ÷ ኣብቲ ክልል ብዓውዲ ሕርሻ፣ ኢንቨስትመንትን መሰል ኢኮኖሚያዊ ዓውዲታትን ፅቡቕ ጅማሮ ከምዝተርኣዩ ተዛሪበን፡፡

በዚ ድማ ኣብ ኢኮኖሚያዊ ማሐበራዊን መሰል ዓውዲታትን ለውጢ ንምምፃእ ብዕቱብ ከምዝተሰርሐ ሓቢረን፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ፃንሒቱ አብ ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት ትልሚ 2015 ዓ.ም ብምዝታይ ኣብ ትልሚ ዝቕፅል ዓመት ብምዝታይ ኣንፈትን ዝተፈላለዩ ሽመታትን ከምዘፅድቕ ትፅቢት ይግበር።

ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት ፀፅታ ንምምሕያሽ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ሕብረተሰብን መዳርግቲ ኣካላትን ትፅቢት ዝግበረሎም ንምውፃእ ክሰርሑ ከምዝግባእ እተን ኣፈ ጉባኤ ኣገንዚበን፡፡

ብለይኩን ኣለም

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.