ኣብ ሞንጎ ሃገራት ዘሎ ክፍተት ተበፃሕነት መርበብ ሓሬታ ምምላእ ቀዳማይ ዛዕባ ክኸውን ይግባእ ተባሂሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ዝማዕበላን ኣብ ምምዕባል ዝርከባን ሃገራት ዘሎ ክፍተት ተበፃሕነት መርበብ ሓሬታ ምምላእ ቀዳማይ ዛዕባ ክኸውን ከምዝግባእ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ገሊፁ፡፡
ላዕለዎት መራሕቲ ዓለም ለኸ ጉባኤ ምሕደራ መርበብ ሓበሬታ÷ እቲ ጉባኤ ከተኩሮም ኣብ ዝግበኦም ዛዕባታት ጠሚቱ ኣብ ስዊዘርላንድ ጄኔቭ ተዛቲዮም።
ጉባኤ ዓለም ለኸ ምሕደራ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ዘሎ ክፍተት ተበፃሕነት መርበብ ሓሬታ ምምላእ ቀዳማይ ዛዕባ ምግባር ከምዝግባእ ኣብቲ እዋን ዘተ ተሓቢሩ።
ኣባል ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ጉባኤን ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሁሪያ ኣሊ፥ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዘሎ ሕፅረት ተበፃሕነት፣ መሰረተ ልምዓትን መጥቀሚ መሳርሒን መርበብ ሓሬታ፤ ዛዕባ እቲ ጉባኤ ክኸውን ከምዘለዎ ተዛሪበን።
ንዕቤት ኢኮኖሚ ሃገራት ዲጂታል ቴክኖሎጂ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ብምሕባር፥ እዚ ኣብ ሽቶ ንምብፃሕ ዲጂታል ማሕበረሰብ ኣብ ምፍጣር ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚበን።
ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ጉባኤ÷ ዓለም ለኸ ጉባኤ ምሕደራ መርበብ ሓበሬታ ክጠናኸር ኣብ ዝኽእለሉን ምስ ዝተፈላለያ ትካላት ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታትን ጠሚቶም ምይይጥ ከምዝገበሩ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com