Fana: At a Speed of Life!

ብመሸጣ መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ዝተረኸበ ኣታዊ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተነፁ መዘውተሪ ስፖርት ቦታታት ንግልጋሎት ክፍቲ ክኾኑ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብመሸጣ መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ዝተረኸበ ኣታዊ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኩለን ክፍለ ከተማታት ዝተነፁ 12 መዘውተሪ ስፖርት ቦታታት ካብ ፅባሕ ጀሚሮም ንግልጋሎት ክፍቲ ከምዝ ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ምምሕዳር እታ ከተማ ኣፍሊየጡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ቀረባ ንንባብ ዘብቅዑዎ መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ንዝስርሑ ስራሕቲ ልምዓት ንኽውዕል ምግባሮም ይዝከር።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣዲስ ኣበባ እውን ካብ መሸጣ እቲ መፅሓፍ ዝርከብ ኣታዊ ንስፖርት መዘውተሪን መህነፂ መፃወቲ ቦታ ህፃናትን ንኽውዕል ትልሚ ሒዙ እናሰርሐ ፀኒሑ።

ሓላፊ ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ በላይ ደጀን ከምዝገለፁዎ÷ ካብ መሸጣ እቲ መፅሓፍ ዝተረኸበ ኣታዊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኩለን ክፍለ ከተማታት ዝተፈላለዩ መዘውተሪ ስፖርታትን መፃወቲ ህፃናትን ተሃኒፆም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ቀዳማይ ዙር ኣብ ክፍለ ከተማታት የካን ቦሌን ዝተሰርሑ 12 ፕሮጀታት ካብ ፅባሕ ጀሚሮም ንግልጋሎት ክፍቲ ከምዝኾኑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.