Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ግብፂ ዝነበሮም ፃነሒት ዕዉት ነይሩ – ዶክተር ለገሰ ቱሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ግብፂ ዝነበሮም ፃነሒት ዕዉት ከምዝነበረ ሚኒስትር ግልጋሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ሚኒስትር ዶክተር ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)÷ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ግብፂ ካይሮ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳን ዝነበሮም ተሳትፎ ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም።

ኣብ መብርሂኦም ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ግብፂ ፃነሒቶም ሰለስተ ዓበይቲ ተግባራት ብዕዉት መልክዑ ከምዘሳለጡ ገሊፆም።

እቲ ቀዳማይ መሰረተ-ልምዓት ኣብ ዝተማልኡሉ ዘበናዊ ሓዱሽ ካይሮ ዑደት ከምዝገበሩ ብምሕባር፥ ኣብኡ ድማ ትካላት ሃይማኖት፣ ሙዚየምን ካልኦት ቦታታትን ከምዝተዓዘቡ ገሊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ምስ ፕሬዚዳንት ግብፂ ኣብደልፈታህ ኣልሲሲ ዕውት ክልተኣዊ ልዝብ ምግባሮም ሓቢሮም፡፡

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝነበሮም ክልተኣዊ ዘተ÷ ክልቲአን ሃገራ ዘለወን ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ስምምዕ ምብፀሖም ተዛሪቦም።

ሓበራዊ ተረባሕነት መሰረት ዝገበረ ምትሕበባር ንዘላቒ ልምዓትን ምዕባለን ህዝቢታት ክልቲአን ሃገራት ወሳኒ ከምዝኾነ እቶም መራሕቲ ኣብ ምርድዳእ በፂሖም ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ፀገም ሱዳን ንምፍታሕ ኣብ ግብፂ ካይሮ ዝዘተዩ መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት÷ ተፃባእቲ ሓይሊታት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ንኽገብሩ ምሕታቶም ገሊፆም።

እቶም መራሕቲ÷ ኣብ ፀገም ዝርከቡ ሱዳናውያን ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽረኽቡን ክልቲኦም ሓይሊታት ኩለመዳይ ዘተ ንኽጅምሩን ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሑ እውን ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ብተመሳሳሊ ፀገም ሱዳን ንኽፍታሕ ከምኡ እውን ንሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ዘለዋ ፅኑዕ ቅዋም ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዝገለፁ ኣብሪሆም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.