ወ/ሮ ሰመሪታ ሰዋሰው ምስ ዋና ፀሓፊ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ መንግስቲ ኣየርላንድ ተዛቲየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ወይዘሮ ሰመሪታ ሰዋሰው ምስ ዋና ፀሓፊ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ መንግስቲ ኣየርላንድ ጆሴፍ ሃኬት ርክብ ክልቲአን ሃገራት ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳይ ጠሚተን ተዛቲየን።
እተን ሚኒስትር ዴኤታ ኣብ ዘተአን÷ ድሕሪ ስምምዕነት ሰለም ፕሪቶሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲታት ሰላምን ኢኮኖሚን እናመፅኡ ዝርከቡ ለውጢታት ዝምልከት መብርሂ ሂበን፡፡
መንግስቲ ቅልጡፍን ንኹ ዝሓቁፍን ዕቤት ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ ከምኡ እውን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ንምንካይ እናወሰዶም ዝርከብ ስጉምቲታት ኣመልኪተን እውን ገለፃ ገይረን፡፡
ዋና ፀሓፊ ጆሴፍ ሃኬት ብግደኦም÷ ኣየርላንድ ኣብ ልምዓት ሕርሻን ህንፀት ሰላም ዘለዋ ተሞክሮ ኣካፊሎም።
ኣየርላንድ ኣብ ዝሓፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዘፈር ጥዕና፣ ሕርሻን ማሕበራዊ ሓለዋን ንኢትዮጵያ ብዙሓት ሓገዛት ኣናገበረት ምፅናሓ ኣዘኻኺሮም፡፡
ኣብቲ እዋን ዘተ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብሓዱሽ መልክዑ ንምድንፋዕ ኣብ ስምምዕነት ምብፀሖም ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com