ኣብ ምክልኻል ሕማም ወቕዒ ሳንባ ዝሐሸ ለውጢ ንዘመዝገባ ሃገራት ኣፍሪካ ዝግበር ሓገዝ ንኽቕፅል ተሓቲቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ትካላት ኣብ ምክልኻል ሕማም ወቕዒ ሳንባ ዝሐሸ ለውጢ ንዘመዝገባ ሃገራት ኣፍሪካ ዝገብሩዎ ሓገዝ ንኽቕፅል ኢትዮጵያ ፃውዒት ኣቕሪባ።
ሕማም ወቕዒ ሳምባ ኣመልኪቱ ዝተሰናደአ ዞባዊ ኣኼባ ኣፍሪካ ኣብ ታንዛኒያ ኣሩሻ ተኻይዱ።
ብሚኒስትር ዴኤታ ዶክተር ደረጀ ድጉማ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፉ።
እቲ ኣኼባ÷ ንምክልኻል ኤች ኣይ ቪ ኤድስ፣ ሕማም ወቕዒ ሳንባን ሕማም ዓሶን ብዝተጣየሸ ዓለም ለኸ ፈንድን ዝተሰናደአ ኢዩ።
ብዓለም ለኸ ትካል ጥዕና ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2030 ሕማም ወቕዒ ሳንባ ንምጥፋእ ዝተትሓዘ ሽቶ ንምዕዋት÷ እናተሳለጡ ዝርከቡ ስራሕቲ ምቅልጣፍ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ምኽክር ተኻይዱ፡፡
ሚኒስትር ዴኤታ ዶክተር ደረጀ ድጉማ ÷ ኢትዮጵያ ሕማም ወቕዒ ሳንባ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣብ ዘሳለጠቶም ስራሕቲ ለውጢ ከምዘምፀአት ገሊፆም።
“ኢትዮጵያ ሕማም ወቕዒ ሳንባ ኣብ ምክልኻል ዘምፀአቶ ፅቡቕ ለውጢ ብምኽንያት ምንካይ ሓገዝ ፋይናንስ ልዑል ፀገም ኣጋጢሙዎ ኢዩ፤ እዚ ድማ ምክልኻል ሕማም ወቕዒ ዝተትሓዙ ሽቶታት ንምብፃሕ ኣፀጋሚ ከገይሩዎ ኣሎ” ክብሉ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ብኣዋጅ ኣሩሻ ኣቢሉ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2030 ሕማም ሕማም ወቕዒ ሳንባ ንምጥፋእ ዝተትሓዘ ሽቶ ንምዕዋት ብቖራፅነት ከምትሰርሕ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com