Fana: At a Speed of Life!

10 ሓምለ 2015 ዓ/ም 500 ሚልየን ፈልሲ ኣብ ሓደ ፀሓይ ብምትካል ታሪኽ ንስራሕ- ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) 10 ሓምለ 2015 ዓ/ም 500 ሚልየን ፈልሲ ኣብ ሓደ ፀሓይ ብምትካል ታሪኽ ንስራሕ ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሓምለዋይ ኣሰር ንዓና ፍሪያት ሕርሻ እነሰስነሉን ውሕስነት ምግብና እነረጋግፀሉን ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ሓምለዋይ ኣሰር ክሳብ ሰለስተ ግዘ ኣብ ዓመት ኣፍሪና ፍሪያት ምግቢ ብርካሽ ዋጋ እንረኽበሉ፣ ወሓዝቲ ሩባታት ክመልኡ ብምግባር ማይ መስኖን መስተን ንከይቋረፅ እንገብረሉ፣ ሽፋን ደኒ ክብ ብምባል ለውጢ ክሌማ ዝመዓራረየሉን ጥዕና ግድብ ህዳሰ ዝሕለወሉን ኢዩ ኢሎም።

ብድምር ድርቅን ጥምየትን ታሪክ ንምግባር ዘኽእል ዓቕሚ ዝፍጠረሉ ምዃኑ ብምግላፅ፥ ሓምለዋይ ኣሰር ሐዚ ዘሎ ትውልዲ ናይ ትማሊ ዕድኡ ዝኸፍለሉ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብደኒ ተሸፊና ዝነበረት ሃገር ዕርቃና ክትወፅእ ዝገበርና ነሕና ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ሐዚ እነንብሮ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ዝሓለፈ ዝፈፀምናዮ ዕዳ ንክንከፍል ዝገብር ኢዩ ክብሉ ኣብሪሆም።

ሰብ ምስ ተፈጥሮ ብምፅልኡ ብቐሊሉ ዘይድሕኑ ሕማማት፣ በቢእዋኑ ዝዛባዕ ለውጢ ኣየር፣ ምቕናስን ምጥፋእን ማይ፣ ምምካኽ በረድ ብምግጣሞም ስልጣነ ደቂ ሰባት ይፈታተኑ ከምዘለዉ ኣረዲኦም።

ብፍላይ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዕዳ ስልጣነ ዝማዕበላ ሃገራት ንክሽከማ ይግደዳ ከምዘለዋ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ንዓና ዘዋፅአና መዕባለና ምስ ተፈጥሮ ዝጠዓዓም ምግባር ኢዩ ብምባል፥ ንትውልዲ እነረክባ ሃገር ብኹለ መዳይ ሉእላዊነታ ዝሓለወት ክትከውን ኣለዋ ኢሎም።

ነዚ ድማ ሉእላውነት ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚ፣ ዲፕሎማሲ፣ ማሕበራዊ ናብራ፣ ተፈጥሮ ክማልኡን ክኽበሩን ከምዘለዎም ኣብ መልእኽቶም ኣፅንኦት ሂቦም።

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት 25 ቢሊየን ፈልስታት ብምትካልናን ብምክልኻንናን ከባቢና ይቕየር ኣሎ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፥ እዚ ድማ ኣብ ምቕናስ ፍግረ መሬት፣ ምምላስ ኣዕዋፍን እንስሳ ዘገዳምን፣ ምስትኽኻል ኩነታት ዝናብ፣ ምሕላው ጥዕና ወሓዝቲ ሩባታት፣ ምሽፋን ደኒ ከተማን ካብ ፈልሲታት ፍራምረ ናይ ምርካብ ባህሊ ክብ ምባልን ዝብሉ ውፅኢታት ይምዝገቡ ከምዘለዉ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ሎሚ ዘበን ኣብ ኩለን ክልላት 6 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲ ብምትካል ሓምለዋይ ኣሰር ንምንባር ትልሚ ተታሒዙ ይስራሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ፃውዒት፥ 10 ሓምለ 2015 ዓ/ም 500 ሚልየን ፈልሲ ኣብ ሓደ ፀሓይ ብምትካል ታሪኽ ንስራሕ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ኣብ መልእኽቶም።

ኣብቲ ዕለት  ኢትዮጵያውያን ናይ ባዕልትና ታሪክ ክነመዝግብ ኢና ብምባል፥ ቅድመ ሐዚ ኣብ ሓደ ፀሓይ ልዕሊ 350 ሚልየን ፈልሲ ብምትካል ዓለም ኣደሚምና ኢና ኢሎም።

ሎሚ ዘበን ድማ 500 ሚልየን ፈልሲ ኣብ ሓደ ፀሓይ ብምትካል ናይ ባዕልትና ሪከርድ ከምእነመሓይሽ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.